ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመን ዝተሓደሰን Â ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ

3 ናይ ዘመን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነተ ሰርቲፊኬት ዘለኩም

4 ናይ እሴት ታክስ VAT ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ደይሬክቶረት ዕደጋ ፋናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ኮምፕሌክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 179 ካብ 19/03/2009 ዓ/ም ከሳብ 6/04/ 2010 ዓ/ም ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኩም ክተእትዉ ትክእሉ Â

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንሎት ሐደ ኣቁሑት ፅሕፈት 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ/Â ቅርሺ ብ ሲፒኦ(CPO) ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ

7 እቲ ጨረታ 6/04/ 2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፁዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ ንብ/ምም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ቁፅሪ 171 ይክፈት :: ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ኣይታዓናቐፍን

8 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

9 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ነአፈፃፅም ዉዕሊ ዉሕስና የትሕዝ

10 በቲ ቢሮ ተዳልዩ ዝተወሃበ መዐቀኒ ስፐስፊከሽን መሰረት : ብፅሬትን መጠንን ብጊዜን ብዉዕሊ መሰረት ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታተልቲ መዓልቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብቲ ቢሮ ከረክብ ዝክእል

11 መወዳደደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ

11 ኣብ ጨረታ ንከይሳተፍ ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተአገደ ነገዳይ ናይ እግድ ግዚኡ ወዲኡ እግዱ ከይተልዓለሉ አብ መቅረባነት ክወዳደር ኣይክእልን

13 እቲ ዝቀረበ ንብረት በቲ ናይ ቢሮ ዘቅርብ ስፐስፌኬሽን /ሳምፕል/ መሰረት ብስብ ሞያ ተፈቲሹ ርክክብ ይፍፀም

14 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344411052 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል