ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ወረዳ ኣስገለ ፅምብላ

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅቲን ኣናእሸተይን ንግዲ ትከላት ዝተዉሃቦ ብርኪ ዕብየት ምስክር ወረቀት ዘለዎ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ዘቅርብን

2 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ክነስትራክሽን ሓፂር ምዝገባ ዘለዎም

3 መከበሪ ጨረታ 15000 ቅርሺ ካብ ብሕጊ ዝፈለጡ ባንኪታትን ፋይናንሳዊ ትካላትን ብስፒኦ መልክዕ ከትሕዙ አለዎም

4 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ወንነቱ ናይ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንዳባጉና ዝኮነ ናይ ከተማ እንዳባጉና ቀበሌ 02
መናሃሪያ ስራሕቲ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 150 ተከታተልቲ ናይ ካላንደር መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም

5 ተጫረቲ ንቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ዝተዳለወ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እንዳከፈሉ ካብ ዕለት 15 ሕዳር 2010 ዓም Â ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገደን መጎዓዝያን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ካይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ምዉሳድ ይክእሉ

6 ተጫረቲ ዝመልእዉ ሰነድ ጨረታ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ መከበሪ ምስ ዋና ሰነድ ብሓባር ዓሺጎምን ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሱ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሸተይን ንግዲ ትካላት ዝተዉሃቦም ብርኪ ዕብየት ትከላ ምስክር ወረቀት ፍቃድ ንግድን ናይ ንስትራክሽን ሓፂር ምዝገባ ካርድን ብምሓዝ ናይቲ ዝጫረት ትካል ሽምን ኣራሻን ኣብቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ነቲ ጨረታ ተበሃሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ቤት ምክሪ ኣደራሽ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ Â ካብ 4 ታሕሳስ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ብኣካልብምምፃእ ከእትዉ አለዎም

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ኣብ ኩሎም ሰነዳት ፊርሞምን ማህተሞምን ብምዕራፍ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሸየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጎደሉ ቅደም ሰዓቡ እነተይኣዛብዑ ከቅርብ አለዎም

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ 4 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምክሪ ኣዳራሽ እቲ ጨረታ ክክፈት እዩ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610389