- ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑ መፍለይ ቑፅሪ ዘለኩም ቢሮ ትልምን ፋይናስን ብዘዉፅኦ መሰረት ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩም Â መረዳእታ ክቕርብ ዝኽእል
- መኽበሪ ጨረታ 3000 (ሰለስተ ሽሕ )ብበንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ
- ዋጋ ሰነድ ጨረታ
- ዋጋ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 30 ብምክፋል ክወስዱ ዝክእል
- ሰነድ ካብ ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ :ፋይናንስ ምምሕዳርን ንብረት ቢሮ ቑፅሪ 34 ካብ ዕለት 11/03/2010 ዓ/ም 26/03/2010ዓ/ም አብ ዘሎ ጊዜ ምግዛእ ትኽእሉ
- ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት 26/03/2010ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅየ በተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት
- Â ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም እቲ ጨረታ አይተኣጎጎልን
- ሰዓርቲ ዘሸነፍዎም ኣቑሑት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ቢሮና አታዊ ይገብሩ
- ቢሮና ካብ ዝዕድጎም ኣቑሑት ከም አድላይነቱ 20% ምውሳኽ ወይ ምቅናስ ይኽእል እዩ
- ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
- ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ ቑ 03 44 40 94 26 /03 44 40 24 31 ምሕታት ይካኣል እዩ