ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽራሮ

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ

  1. ሕጋዊ ዝኮነ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
  2. ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ዝርዝር ዝተመዝገብኩም
  3. ናይ 2009 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
  4. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
  5. ቲን ነምበር ዝተመዝገብኩም
  6. ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ እትክእሉ
  7. ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ
  8. ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ 10% ክተትሕዙ እትክእሉን
  9. ኣብዚ ዝተቀመጠ መዓልቲ ወይድማ ዕለት ገደብ እንተሓሊፎም ወይድማ እንተሓሊፈን ኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ 0.1% ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ንብረት ዝቅፀዑ ምካኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብቲ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10% እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰሉ ከምዘለዎን
  10. ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ቼክ ወይ ብሲፒኦ 15,100 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
  11. ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ዋና መረዳእታኩም እተቅርቡን
  12. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን ክፍሊ ቁፅሪ 06 ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር
  13. ሰነድ ጨረታ 28 ጥቅምቲ 2010 ዓም ክሳብ ሕዳር 13 2010 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ይዕድም
  14. ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 13 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ 13 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ይከዉን
  15. ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ
  16. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500149 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል