ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ
- ሕጋዊ ዝኮነ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
- ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ዝርዝር ዝተመዝገብኩም
- ናይ 2009 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
- ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
- ቲን ነምበር ዝተመዝገብኩም
- ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ እትክእሉ
- ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ
- ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ 10% ክተትሕዙ እትክእሉን
- ኣብዚ ዝተቀመጠ መዓልቲ ወይድማ ዕለት ገደብ እንተሓሊፎም ወይድማ እንተሓሊፈን ኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ 0.1% ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ንብረት ዝቅፀዑ ምካኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብቲ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10% እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰሉ ከምዘለዎን
- ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ቼክ ወይ ብሲፒኦ 15,100 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ዋና መረዳእታኩም እተቅርቡን
- ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን ክፍሊ ቁፅሪ 06 ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር
- ሰነድ ጨረታ 28 ጥቅምቲ 2010 ዓም ክሳብ ሕዳር 13 2010 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ይዕድም
- ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 13 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ 13 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ይከዉን
- ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500149 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል