ትካል ቴክኒክን ትምህርትን ስልጠናን ከተማ ሽራሮ

ሰሊዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ነጋዶ ዝሰዕብ ረቀሒ ክተማልኡ ይግባእ

  1. ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግድ 2010 ዓም ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  2. መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ
  3. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታን ናይ ወርሒ መስከረም 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  4. መረዳእታ መቅረባይነት 2010 ዝሓዝኩም
  5. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ናከፈልኩም ክሳብ 17 ጥቅምቲ 2010 ዓም ክሳብ ሕዳር 1 2010 ዓም ክትወስዱ ትክእሉ
  6. ጨረታ 1 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 30 ይክፈት
  7. መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ህንፃ 6000 ቅርሺ ንኤለክትሮኒክስ Â 5000 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈት ኤለክትሪክ አቁሑት ፅሬት ስፔርፓርት ፅሬት መሳርሕን ሕትመትን ድማ ንሕድሕድ 3000 ቅርሺብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ውይ ጥረገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ
  8. ተጫረቲ ነንሕድሕዶም ኤለክትሮኒክስ መሳርሕታትን ናይ ኮምፒተር ቀለምን ናይ6 ወርሒ ዉሕስና ክህብ ዝክእል
  9. ትካልና ካብ ዝሰዓርዎ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰል አለዎ
  10. ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መክበሪ ብምሓዝ ኣብ ዉሽጢ 3 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብአካል ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ
  11. ሰዓርቲ ጨረታ ካብ ዝሰዓርኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዓለኩም መጋዕዝያ ናብቲ ኮሌጅ ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ እትክእሉ
  12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ንተከታተልቲ 45 መዓልቲ ይከዉን
  13. ተጫረቲ እትመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ ታክስ ዝሓወሰ ክከዉን ይግባእ ኣብ ሰነዱ ዘየማላከተ ተዋዳዳሪ ተወሳኪ ታክስ ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
  14. ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማሕተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ
  15. ከተማ ሽራሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይካየድ እዞም ብዘይምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን
  16. እቲ ትካል ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500382 ወይድማ 0914776766 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል