ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ

በዚ መሰረት ካበዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተጻሒፉ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ክምትኽእሉ ነፍልጥ::

ሎት 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቐሑት

ሎት 2 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

ሎት 3 ናይ እንስሳ ምግቢ

ሎት 4 ናይ እንስሳ መድሓኒት

ሎት 5 ናዉቲ መሳርሒ ሕርሻ

ሎት 6 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት

01 ብተመሳሳሊ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ዝኸፋልሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቅርብ ዝክእል::
02 ናይ ጨረታ መትሐዚ ንሕድሕድ ምድብ(ሎት) ብር 3, 000 (ሰለስተ ሽሕ) ብር በማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ::

03 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ (VAT) ተመዘግብቲን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ አለዎም::

04 ተጫረቲ ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዘዳለዎ ፎርሚ ብትካሎም ሽም ቃለ መሓላ ፈሪሞም ከቅርቡ አለዎም::

05 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ክቐርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ ኦርጀናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካለ በዓል ስልጣን ፈሪሞምን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ኣቅራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመነት ከትሓሐዝ አለዎ::

06 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50 ( ሓምሳ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሰብ ሽምን ፊርማ ኣድራሻን ክግልፁ አለዎም::

07 ጨረታ ከተዓናቕፉ ዝሞከሩ ተጫረቲ ካብቲ ረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑ ንዘትሓዝዎ ዉሕስና መኽበሪ ጨረታ ኸምዝዉረስን ንቐፃላይ ጨረታ ከይሳተፍ ይግበር::

08 ተጫረቲ አብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 28 01 ክሓቱ ይኽእሉ::

09 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካበ ዕለት 17 /04 /2009 ዓ/ም እስካብ 5 /05/ 2009 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 5/ 05/ 2009 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 430 ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይክፈት ይኹን እምብር ተጫረቲ ጨረታ ኣበ ዝኽፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካበ ምኽፋት ኣይትኣጎጎልን ::

10 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::