ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት

ስለዚ ነዞም ዝተገለፁ ዓየነት ዕድጊት ንናይባዕሎም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

1 ንግዲ ሰርትፍኬት ዝተሓደሰ ናይ 2009 ዓም ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

2 ንኩሎም ዓይነታት ጨረታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቲን ነምበር ናይ መቅረባይነት ካርዲ ዝተመዝገኩም ዘለኩም

3 በቲ ዝተጠቀሰ ዓይነት ዕድጊት ፍቃድ ዘለኩም ናይ መቅረባይ ካርዲ ዝተሓደሰ ናይ 2009 ዓም ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

4 ናይ ቫት ዲክላረሽን በቢወርሒ አታዊ ዝገበረሉ ክሳብ ጥቅምቲ 30 2009 ዓም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዘተሓሕዝ ክከዉን አለዎ

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 13/ 04 /2009 ዓም Â ክሳብ 27/ 04 /2009 ዓም ሰዓት 5 ፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዝርከብ ሳፁን ክተእትዉ ትክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ Â 27/ 04/ 2009 ዓም ሰዓት 5፡ 30 ናይ ንግሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 መክበሪ ጨረታ መሸጢ ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ስፐስፊኬሽን ተቀሚጡ ይርከብ ካልኦት አድለይቲ ዝባሃሉ ሓበሬታ ዉን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ተቀሚጡ ስለ ዘሎ ኣብኡ አምቢብኩም ምርዳእ ትክእሉ

8 ብጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲን ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ መፅዐንን መራገፍን ወፃኢ ሸፊኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ከረክቡ ክክእሉ ኣለዎም

9 ቤት ፅሕፈት በቲ ዘቅረቦ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ:: ልብ በሉ አብዚ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ መብራህርሂ ክሓትት ዝደለየ መቅራባይ ስልኪ ቁፅሪ Â 0345570156 ደዊልኩም ንናይ ዕዳጋታት ኪኢላታት Â ምሕታት ትክእሉ