ማእኸል መሰልጠኒ ጉድኣት አካል መቐለ

 ምልክታ  ጨረታ
ማእኸል  መሰልጠኒ ጉድኣት አካል  መቐለ ኣብ 2007 በጀት  ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና መለዋወጢ  ኣቐሑ  ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ  :: ህ /መሳረሒ   ድማ ን 2ይ  ጊዜ  ዝወፀ ጨረታ  ኣወዳዲሩ  ክዕድግ ስለዝደሊ  ንተወዳደረቲ  ይዕድም::
ኣብቲ  ዉድድር  ክትሳተፉ  ትደልዩ
1 ናይ ዘመኑ  ግብሪ  ዝኸፈሉ  ንግዲ  ፍቃድ  ዘሐደስኩምን  ዋናን ቅዳሕን  መረዳእታ  ዘቕርብ::
2 2 አብ ተወሳኺ  እሴት  ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገበ መኮኑ  ክሳብ  ጥቅምቲ 30 /2007 ዓ/ም  ምኽፍል  ዘረጋግፅ  ዴክሌሬሽን መረዳእታ ዋናን  ቅዳሕን ከቕርብ  ዝኽእል::
3 ግብሪ ከፋሊ ምኮኑ  ናይ ግብሪ  ከፋሊነት  መለለይ  ቁፅሪ/ ቲን  ናምበር / መረዳእታ  ከቕረብ  ዝኽእል::
4 ጨረታ  ቅድሚ ምኽፋቱ  ናይ  ጨረታ መኽበሪ  ብር  3000.00 ብጥረ  ገንዘብ  ካብ ኢትዩያ   ንግድ ባንከ  ኣፍለጦ ዝተወሃቦ  ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ  ኣቐዲሙ ከትሕዝ  ዝክእል::
5  እቲ ጨረታ  ምስዓሩ  ዘሸነፎ  ንብረት  ብናይ ባዕሉ  ትራንስፖርት/ መጎዓዝያ  /ናብ  ማእ መሰ ጉድኣት ኣካል  ከቕርብ  ዝኽእል::
6 ተጫረቲ  አብ ናይ መቕረብቲ  ዝርዝር  ዝተመዝገቡ  ምኮኖም  ዘረጋግፅ  ወረቐት   ምስክር  ከቕርብ  ዝክእል::
7 ተጫረቲ  ዝተዳለወ  ሰነድ አብ ማእኸል መሰልጠኒ  ጉድኣት አካል  መቐለ ንብረት  ዕዳጋ  ፋይናንስን  ምምሕዳር  ብምቕራብ  ንሕድሕድ  ሰነድ  ብረ 20.00 ከፊሎም  ምስ ወሰዱ  ዝጫረትሉ  ዋጋ መሊኦም  ብዝተዓሸገ  ኢንቨሎፕ /ፖስታ  /እዚ ምልክታ  ካብ ዘወፀሉ ዕለት  ጀሚሩ  ናብ ዘተዳለወ ሳንዱቅ  ምእታዉ  ይኽእሉ::
8 ተጫረቲ  መወዳደሪኹም  ካብ 8/03/07 -   08/04/2007 ዓ/ም  ሰዓት 3:30  ቅሰዓት ናብ  ማእመሰጉድአካል  ክትቕርቡ  ትኽእሉ  ኢኹም::
9  ጨረታ  ዝኽፈተሉ  ዕለት  08/ 04 /2007 ሰዓት 3:00  ቅ/ሰዓት  ተዓፅዩ  ሰዓት  3:30 ቅ /ሰዓት ተጫረቲ  ሕጋዊ ወኪሎም  ኣብ ዝተረኽብሉ  ይኽፈት::
10 እዚ  መሰልጠኒ  ማእኽል  ዝሐሸ  መማረፂ  እንተረኺቡ  እቲ  ጨረታ  ብሙሉእ  ብክፋል  ናይ ምስራዝ  መሰሉ  ሕሉዉ  እዩ
11 ተጫረቲ  ሰዓርቲ  ምኮኖም  ምስ ተነገሮም  አብ ዉሽጢ  5 ተ መዓልቲ  ዉዕሊ  ክትአስሩ  እትክእሉን ካብ ዝሰዓርኽምዎ ጠቅላላ  ዋጋ  10 %  ክተትሕዙ  ፈቃደኛታት  ዝኾንኩምን ዉዕሊ  ክትአስሩ  ፈቓደኛታት ተዘይኾንኩም  መቕረብቲ ንጨረታ  መኽበሪ  ዘተሐዝክምዎ  ገንዘብ  ናብ  ትካልና  አታዊ  ዝግበር ምኮኑ ንገልፅ::
12 ተጫረቲ  ስዓረቲ  ምኻኖም ምስ ተነገሮም  ንዘቕርበዎ  ንብረት  መርአይ  ከቕርቡ  አለዎም::
13 ጨረታ  ዝኽፈተሉ አብ ቑፅሪ  9 ተ  ዝተጠቀሰ  ከምዘሎ  ኮይኑ  ተጫረቲ  /ሕጋዊ ወኪል/ ብእዋኑ  ከቕርቡ  ብዘይ  ምክአሎም ሰዓት  ዝተወሐሉን ዘይተከፈተ  ዝተርፍ  ፖስታ  ዘየለ  ምካኑ  ኩሎም  ተወዳደረቲ  ከትፈልጡ  ይግባእ::
14 ተጫረቲ  ንዝሰዓርዎ  ንብረት  ብእዋኑ  ተዘይ  አቕሪቦም ናይ  ዝዘንግዐሉ  መዓልቲ  ካብ ዝሰዓርዎ  ገንዘብ  በቢ መዓልቲ  1/1000(0.001)  ዝቕፅዑ  ምካኖም  ::
15 እዚ  ማ/መ/ጉ/ኣካል  ወይከዓ  ትካልና  ከም  ኩነታቱ  ክሳበ  20 %  ክዉስክን ክቕንስን  ይኽእል  እዩ ::
ንተወሳኪ  ሓበሬታ
ብስልኪ  ቁፅሪ  0344419498   /0914734567  /0914749629   ደዊልካ ብኣካል  ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ::