ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም

ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

1 ናይ 2009 ዓም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ዝተሓደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘ

3 መረዳእታመለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ

4 ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝተመዝገበ ናይ ወርሒ መስከረም 2009 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠ

5 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም ን ምዉሳድ ይከኣል

6 ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊኡ ኣብ ጎኑ ፊርማ ክህሉ ይግባእ

7 ሰዓሪ ኣብ ዝተገለፀሉ ዉዕሊ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ክኣስር ዝክእል

8 መከበሪ ጨረታ ንናዉቲ ኤለክትሮኒክስ 10000 ቅርሺ ንመለዋወጢ አቁሑ መኪናን ሞተር ብስክሌትን 5000 ቅርሺ ንግልጋሎት መዕፀፊ ብረት 3000 ቅርሺ

9 ሰዓሪ 10% መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

10 ጨረታ ሰዓርቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ ጨረታ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ከረክቡ ዝክእሉ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምዉሳክን ምንካይ መሰል አለዎ

12 ጨረታ 2 ሕዳር 2009 ዓም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ይክፈት

13 ሰነድ ጨረታ 1 ዋና 2 ቅዳሕ ኣብ ሕድሕድ ፖሰት ብምዕሻግ ኣብሓደ ዓብዮ ፖስታ ብምዕሻግ ቅዳሕን ዋናን ዝብል ፅሑፍ ብምፅሓፍ ናይ ትካል ሽም ፊርማ አድራሻን ብምግባር ክኣቱ ይግባእ

  1. ኣብ ዝቀርብ ሰነድ ሽም ክታም ናይ ትካሎም ማህተመን አድራሸን ክቅመጦ ይግባእ

 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347753006 ብምድዋል ወይድማ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል