ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን ዓብዮ ዓዲ

ስለዚ ክትጫረቱ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ይግባእ ናብ ትከልና ብምቅራብ ዝርዝር ናይቲ ኣቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 30 ሰላሳ ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ቢሮ ቁፅሪ 6 ቀሪብኩም ካብ ዕለት 14/2/09 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/02/2009 ዓ/ም ሰነድ እናመፃእኩም ክትወስዱ ከም እትክእሉ እናገለፅና ተጫራታይ እዞም ዘለዉ ነጥብታት አብቲ ሰነድ ጨረታ ከማልእ ይግባእ

1 ናይ 2008 ንግዲ ፍቓድ (ዝተሐደሰ) ኮፒ ብምቅራብ

2 ናይ ግበሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /Tin/ ሰርተፊኬት ዘቅርብ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቀት ዘለዎ

4 ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎ

5 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2008 ዓ/ም ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ከቅርብ ዝክእል

6 ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ

7 ተጫረቲ ምልካታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ብምዉሳድ ብክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጀናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፁን የእቱ

8 ናይቲ ጨረታ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒን ፅሬትን ኣቁሑትን Â ሎት 1 3000 ብር / ሰለስተ ሽሕ ብር / ንኤሌክትሪክን ሎት 2 3000 ብር / ሰለስተ ሽሕ ብር ንህንፃ መሳርሒ ንሎት 3 በብዘርፍኩም 6000 ብር / ሰለስተ ሽሕ ብርÂ / CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል

9 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ዕለት 28/02/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:15 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፈቲ ኮይኑ ይፀንሕ

10 እተ እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ዕለት 28/02/2009 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕሸግ

11 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ዕለት 28/02/2009 ዓም ሰዓት 8:30 ተጫታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣበ ዝተረከበሉ ኣብ ዘይተረከበሉ እዉን እቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ከም ዝክፈት

12 ዘሸነፎ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጓዓዓዚ ኾነ መፅዓንን መራገፍን ባዕሉ ይሽፍን ናብዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ የርክብ

13 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሺንፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲታት ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ተከታተልቲ መዓልተ ንብረት የቅርብ

14 ብዉዕሉ መሰረት ብእዋኑ ነዘይኣቅረበ ኣቁሑት በቲ ጨረታ መምርሒ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቅፃዕ

15 ዝኮነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወሰደ ዝተዳለወ ባዶ ሰነድ ጨረታ ብትክክል ኣቀሚጡ ክመልእ አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቅርብ እቲ ትካል ኣይቅበሎን ዉድቂ ይኸዉን

16 ካብ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይፍቀድን

17 አብ ዘቅርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ስሙ ፌርሙእን ኣድራሻን ማህተም ናይቲ መቅረባይ ድርጅት ብትክክል ዘይቀመጠ ንምንባብ አፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብተ ጨረታ ይስረዝ

18 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

20 ፕሪንተር ቀለም ዉሕስና ን 6 ወርሒ ክህብ ዝክእል

19 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344460323/ 0914754360 /0914754759 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ኢኩም