ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ

1 ናይ 2009 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝተከፈለሉ መረጋገፂ ዘቅርብ

2 ሕጋዊ ንግደ ፍቃድ ዘለዎ ቲን ተመዝጋቢ ምካኑ መረዳእታ ዘቅርብ

3 ፅሕፈት መሳርሒ ዝወዳደሩ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ዋጋ ጥራሕ ብር 20 ብምክፋል ካብ ዕለት 7/ /2/2009 ዓምÂ ጀሚሩ ካብ ዞባ ፍትሒ ቤት ፅሕፈት ብምዉሳድÂ ዋናኡን ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ማህተምን ብምዕራፍ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 09 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይከኣል

4 ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ብስክርቢቶ ክምላእ አለዎ

5 እቲ ጨረታ ዕለት 22/02/2008 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30Â ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 ቅድሚ እቲ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 3000 ብጥረ ገንዘብ ወይም ስፒኦ ወይም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ የትሕዙ

7 ንፅርየት ኣቁሑት ድማ 500 ብር ብጥረ ገንዝብ ወይም ስፒኦ ወይም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ የትሕዙ

8 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% መክበሪ ዉዕሊ ብባንኪ ወይም ብገንዝብ ይታሓዙ

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝተስማማዕናሉ ዕለት አታዊ እንተዘይገበሩ ንመክበሪ ዉዕሊ ዝትሓዝዎ ገንዘብ ብቅዓት ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግብር

10 ክፍሊት ብዝምልከት ድማ እቲ ኣቁሑ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ኣቅረቡ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ጠቅላላ ሒሳቦም ሙሉእ ብሙሉእ ብሓደ ግዜ ይክፈሎም

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ፅሬት ዘለዎ ኣቁሑት እነተዘየቅሪቦም ናይ ምምላስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 % ናይ ምወሳክን ምቅናስ መሰል አለዎ

14 ጨረታ ምዝባዕን ምርባሽን ዝፈተነ እቲ ቤት ፅሕፈት ብቀጥታ ካበ ጨረታ የባርሮ እዩ

15 ተወዳደርቲ ድሕሪ ምሽናፎም ጨረታ ጥርዓን ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ምቅራብ ይከኣል

16 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ንኩሉ ተጫራታይ ኣብ ዝረአይ መጠቅዒ ክግለፅ እዩ

17 ሰዓራይ ዘሸነፎ ንብረት ብእዋኑ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ እቲ ንመክበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ገንዘብ ብመመርሒ መሰረት ብቅዕፃት ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይግበር

18 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 45 መዓልቲ

19 ምልክታ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ 15 መዓልቲ ኮይኑ ካብ ዕለት 7/2/2009 ዓም ክሳብ ዕለት 22/02/2009 ዓም ይከዉን

ስልኪ ቁፅሪ 0347770215 /0347771271