ኮሌጅ ቴክኒክ እንትጮ

ሎት 1 ናይ ህንፃ መሳርሒ:

ሎት 2 ናይ ፕላንቢንግ መሳርሒ:

ሎት 3 ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ:

ሎት 4 ኤሌክትሪክ መሳርሒ :

ሎት 5 ናይ ሞተር ሳይክል ስፔርፓርት:

ሎት 6 መሳርሒ ፅሕፈት :

ሎት 7 መሳርሒ ፅሬት :

ሎት 8 መሳርሒ ሕትመት :

ሎት 9 ናይ ጨርቃ ጨርቂ መሳርሒ:

 ሎት 10 መሳርሒ ፈርኒቸር ስለዝደለየ ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትሳተፉ ይዕድም

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ናይ ዘበን ንግዲ ፍቃድኩምን ግበሪ ዝከፈልኩምን
  2. ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ቲን ናምበር ዘለኩምን ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ክተቅርቡ እትክእሉ
  3. ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት ዘለኩምን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2008 ዓም ድክሌረሽን ክተቅርቡ እትክእሉ
  4. ተጫረቲ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉዝተዳለወ ዶክመንት /ሰነድ/ ዘይምለስ 50 ብር/ሓምሳ ብር/ ብምክፋል ካብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ባዕሉኩም ወይ ከዓ ብሕጋዊ ወኪልኩም ክትወስዱ እትክእሉ
  5. ንሕድሕድ ዓይነት መደብ ዝተመደበ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ መሳርሒ ህንፃ 1500 ቅርሺ :: ናይኤሌክትሪክ Â 3000 ቅርሺ: ናይ ኤለክትሮኒክስ መሳርሒ 1500 ቅርሺ መሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ መሳርሒ ሕትመት 3000 ቅርሺ መሳርሒ ፅሬት 3000 ቅርሺ መለዋወጢ አቁሑ ሞተር ሳይክል 3000 ቅርሺ መሳርሒ ፈርኒቸር Â ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስም እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ዝተፅሓፈ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ድማ ጥረገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ::
  6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ እተቅርብዎ ናይ በዓል ዋና ስምን ፌርማን ሕጋዊ ማህተምን ብምዕራፍ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ብምግባር ኣብ ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድ መወዳደሪ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ናይ ዋጋ ምዝባዕ ዘለዎ እንተቀሪቡ እቲ ጨረታ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን አብ 2 ፖስታ ብምዕሻግ ካብ ዕለት 30/01/2009 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 21/02/2009 ዓ/ም ስዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ አብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ነዚ ጨረታዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ እትክእሉ::
  7. ተጫራታይ ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ብደብዳቤ ወይ ብስልኪ ምስ ተለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእልን መክብሪ
  8. Â ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብምቅራ ብባዕሉ/ብሕጋዊ ወኪሉ/ አቢሉ ብቴክኒክነ ኮሚቴ ፅሬቱ እናተረጋገፀ አታዊ ክገብር ዝክእል
  9. ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 21/02/089ዓ/ም ሰዓት 8:00 ይከዉን
  10. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 21/02/09 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ይከዉን
  11. ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ እዚ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
  12. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0348499019 0919042301 ደዊልከ ምሕታት ይካአልÂ Â

Â