- ናይ ህንፃ መሳርሒ
- ናዉቲ ስነ ፅባቀ
- ንጨርቃ ጨርቂ ቅድን ስፌትን ዝዉዕሉ መሳርሕታትን
- ኤለክትሪክን ናዉቲ ኤለክትሮኒክስን ናይ ፅሕፈት መሳርሒን አቁሑት ፅሬትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደረቲ ይዕድም
ኣብቲ ዉድድር ክትሳተፉ ትደልዩ
- ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ዘቕርብ::
- አብ ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገበ መኮኑ ክሳብ ነሓሰ 30 /2008 ዓ/ም ምኽፍል ዘረጋግፅ ዴክሌሬሽን መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቕርብ ዝኽእል::
- ግብሪ ከፋሊ ምዃኑ ናይ ግብሪ ከፋሊነት መለለይ ቁፅሪ/ ቲን ናምበር / መረዳእታ ከቕረብ ዝኽእል::
- ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪብር 3000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ካብ ኢትዩያ ንግድ ባንከ ኣፍለጦ ዝተወሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣቐዲሙ ከትሕዝ ዝክእል::
- ተጫረቲ ሰዓርቲ ምኮኖም ምስ ተነገሮም አብ ዉሽጢ 5 ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክትአስሩ እትክእሉን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት/ መጎዓዝያ /ናብ ማእ መሰ ጉድኣት ኣካል ከቕርብ ዝኽእል:
- ጨረታስዒሩ ዉዕሊ ክትአስሩ ፈቓደኛታት ተዘይኾንኩም መቕረብቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘተሐዝክምዎ ገንዘብ ናብ ትካልና አታዊ ዝግበር ምኮኑ ንገልፅ::
- ተጫረቲ አብ ናይ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምኮኖም ዘረጋግፅ ወረቐት ምስክር ከቕርብ ዝክእል::
- ተጫረቲ ዝተዳለወ ሰነድ አብ ማእኸል መሰልጠኒ ጉድኣት አካል መቐለ ንብረት ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ብምቕራብ ንሕድሕድ ሰነድ ብር 20.00 ከፊሎም ምስ ወሰዱ ዝጫረትሉ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ /እዚ ምልክታ ካብ ዘወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናብ ዘተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይኽእሉ::
- ተጫረቲ መወዳደሪኹም ካብ 01/02/09 - 21/02/2009 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅ/ሰዓት ናብ ማእ/መሰ/ጉድ/አካል ክትቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም::
- ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 21/ 02 /2009 ሰዓት 3:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ቅ /ሰዓት ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት::
- እዚ መሰልጠኒ ማእኽል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ
- ተጫረቲ ምስዓሮም ምስተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ መፅኢኦም ዉዕሊ ክኣስሩ እንትክእሉ ካብ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መክበሪ ከትሕዙ እንትክእሉን ዉዕሊ ክኣስሩ ፍቃደኛታት እንተዘይኮይኖም መቅረብቲ ንጨረታ መክበሪ ዘትሐዝዎ ገንዘብ ናብቲ ትካል ኣታዊ ይግበር
- ተጫረቲ ስዓረቲ ምኻኖም ምስ ተነገሮም ንዘቕርበዎ ንብረት መርአይ ከቕርቡ አለዎም::
- ጨረታ ዝኽፈተሉ አብ ቑፅሪ 10 ተ ዝተጠቀሰ ከምዘሎ ኮይኑ ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪል/ ብእዋኑ ከቕርቡ ብዘይ ምክአሎም ሰዓት ዝተወሐሉን ዘይተከፈተ ዝተርፍ ፖስታ ዘየለ ምካኑ ኩሎም ተወዳደረቲ ከትፈልጡ ይግባእ::
- ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብእዋኑ ተዘይ አቕሪቦም ናይ ዝዘንግዐሉ መዓልቲ ካብ ዝሰዓርዎ ገንዘብ በቢ መዓልቲ 1/1000(0.001) ዝቕፅዑ ምካኖም ::
- እዚ መሰ/ኣካል ወይከዓ ትካልና ከም ኩነታቱ ክሳብ 20 % ክዉስክን ክቕንስን ይኽእል እዩ ::
- ንተወሳኪ ሓበሬታ
ብስልኪ ቁፅሪ 0344419498 ወይÂ 0344419511 ደዊልካ ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ::
Â