ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ

 ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ፣ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩምን፣ ቲን መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገብኩም፣ ብትልምን ፋይናንስን ዝተዉሃበ ናይ 2008 ዓ ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምዝገባ ደፍተር ክተቅርቡ እትክእሉ ከምኡን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ። ንዝተዘርዘሩ መረዳእታታት ዋናን ዘይምለስ ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ፣ ኣብ መወዳደሪ ሰንድ ሽም ክታም ናይቲ ትካልን ምሕተምን ኣድራሻን ክተቅምጡ ይግባእ ከምኡወን ዝምላእ ዋጋ ተወሳኪ ታክስ ዝሓወሰከ ክከዉን አለዎ
  2. መክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ቅድሚየያ ክተትሕዙ ይግባእ
  3. ተጫራታይ ንዉዕሊ መክበሪ 10 ሚኢታዊ ክተትሕዙ እትክእሉ ከምኡወን ዝሰዓረ ተጫራታይ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ንብረት ናብ ዓድዋ ማእከል ቤት ህንፀት አታዊ ይገብር
  4. ጨረታ ዝወፀሉ 26 መስከረም 2009 ዓ ም ኮይኑ ክሳብ 11 ጥቅምቲ 2009 ዓ ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ
  5. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት ድማ 11 ጥቅምቲ 2009 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  6. ተጨረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 60 ቅርሺ እንዳከፈልኩም ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ ደጋዊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 6 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓተ ናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ
  7. እቲ ቤት ህንፀት ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ Â 0347711227Â Â ወይንድማ Â 0347711668 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Â