ማእኸል ቤት ህንፀት ማይጨዉ

ምድብ 1 ምግብና ንተሃነፅቲ

ምድብ 2 ናይ ህንፃ መሳርሒ ንብረት

ምድብ 3 ናይ እምኒ ፀፀርን ሓሸዋን

ምድብ 4ናይ ኣዳራሽ መስትዋት

ምድብ 5 ናይ አዳራሽ ወናብር

ምድብ 6 ናይ አዳራሽ መጋረጃ

ምድብ 7 ፅሕፈት መሳርሒ

ምድብ 8 ናይ አዳራሽ ሰፒከርን ኣምፖልን

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዘተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግበሪ ኽፋላይ መለለይ ቁፅሪን ናይ መቅረባይነት መለለይ ካረዲን መረዳእታ ዘቅርብ

2 ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ወርሒ ሰነ ዝከፈለሉ ወርሓዊ ድክለሬሽን ዘቅርብ ናይ ቁንጅና ሳሎን መቅረብቲ ዝኮኑ ግና ቫት ዘይብሎም እዉን የሓዉስ እዩ

3 መክበሪ ጨረታ ንምድብ 1 ብር 15000 ንምድብ 2, 3, 4, 5, 6, 7, 8 ንሕድሕዶም ብር 5000 ብጥረ ገንዝብ ወይ ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፈሊት ችክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት አቐዲሙ ከትሕዝ ዝክእል

4 ንሕድሕድ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 19/01/2009 ዓም ክሳብ ዕለት 03/02/2009 ዓም ዘይመለስ ብር 50 ብምካፋል ካብ ቤት ህንፀት ማይጨዉ ፋ/ዕ/ንብ/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 5ተ ምዉሳድ ይከኣል

5 ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ገፅ ናይ መቅረባይ ስምን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ

6 ዝተመልአ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተደለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣብ ማይጨዉ ህንፀት ፋ/ዕ/ንብ/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 5ተ ምእታዉ ይከኣል

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 3/03/2009 ዓም ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ 8:00 ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ብዘይምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን

8 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 15ተ ናየ ስራሕ መዓለቲ ይከዉን

9 ኣሸናፊ ዝኾነ መቅረባይ ዉሳነ ጨረታ ካብ ዝፀደቀሉ ዕለት ድሕሪ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ንጨረታ መክበሪ ዘተሐዞ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸዉን

10 ኣሸናፊ ዝኾነ መቅረባይ ዘሸነፎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ተካታተሊ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መፅዓን መራገፍን ትራንስፖርት ናብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእከል ከቅርብ ዝክእል

11 መስራቤትና ኣብ በዝሒ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ሕለዉ እዩ

12 ብተወሳኪ መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 034770276Â ወይ 0348770046 0914106000/0914137645 ምሕታት ይከኣል

Â