ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት

  1. ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም
  2. ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
  3. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  5. መቅረባይነት ዝተመዝገበኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  6. መክበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ብሲፒኦ Â ክተትሕዙ እትክእሉ
  7. ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታÂ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስረሕ ዕደጋÂ ቁፅሪ ቢሮ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
  8. እቲ ጨረታ ካብ 19 ሰነ 2008 ዓም ጀሚሩÂ ን 15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 3 ጳጉሜን 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
  9. ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ መዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ
  10. ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይÂ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ
  11. ተጫራታይ ብመዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ መቅረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
  12. ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ንነፍስወከፍ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
  13. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0344404715 /0344400551 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል