ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ

ብዚ ቀፂሎም ዝዝርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶን ትካላትን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ
  2. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣ ካርዲ መቅረባይነት ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት ዘድሉ መረዳእታን ቅዳሕ ከቅርቡ ዝኸእሉ
  3. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ሓምል ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም
  4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 17 ነሓሰ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 2 ጳጉሜን 2008 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ምእታዉ ይከኣል
  5. መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንመለዋወጢ አቁሑት መካይን 5000 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈት 10000 ቅርሺ ንአቁሑት ፅሬት 2000 ቅርሺ Â ንሕትመት 2100 ቅርሺ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድቲ አቁሑትን 3500 ቅርሺ ንአቁሑት ኤለክትሮኒክስ 3600 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  6. ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  7. መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል
  8. እቲ ጨረታ 2 ጳጉሜን 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት
  9. Â እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343450110/0343450112ደዊልካ ምሕታት ይከኣል