አደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ሓ/ዝ/ወ/ማ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቢዘፈሩ ዘለዎ
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን
  3. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  6. ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  7. መክበሪ ጨረታ ንዘፈር አቁሑት ፅሬት ሕትመት ስፖርት አይሲቲ አቁሑት መለዋወጢ አቁሑት መኪናን ሞተርን 3,000 ቅርሺ Â ንመሳርሕታት ፅሕፈት 8000 ቅርሺ ንነፍስወከፍ ብጥረገንዘብ ወይ በባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  9. ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
  10. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድÂ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  11. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  12. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  13. ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት መክዘን ከረክብ አለዎ
  14. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 30 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
  15. ኣብቲ ጨረታ ዝወፀ ዝርዝር አቁሑት ብበጀት መሰረት ክዉክስን ክቅንስን ከምዝክእል ክፍለጥ አለዎ
  16. ሳንዱቅ ጨረታ 26 ነሓሰ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  17. እቲ Â ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344370246 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።