ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1Â ናይ 2008 ዓ/ም Â ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ወረቀት ምስክር ንግዲ ምዝገባÂ ምስክር ወረቀት ክፍሊት ምዝገባ ሰርትፍኬት ማለትዉን ቲን ናይ ተወሳኪ ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅረብ ዝክእል

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና /unconditional bank guarantee/ Â ወይ ሲፒኦ 300,000(ሰለስተ ሚኢቲ ሽሕ) ቅርሺ ከቅርብ አለዎ

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ ጀነሬተር አብ ዉሽጢ 120 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ አምፂኦም ገጢሞም ከረክቡ አለዎም

4 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 4 ነሓሰ 2008 ዓምÂ ክሳብ 18 ነሓሰ 2008 ዓም አብ ዋና ቢሮ ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ / ፋይናንስÂ 4Â/ራብዓይ/ ደብሪ ቑፅሪ ቢሮ 409 Â አድላይ መረዳእታ ብምትሓዝ ብር 200.00Â ብምክፋል አብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ::

5 ተጫረቲ አብ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነፍስወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞም ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ ከይአጋደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጋደለ ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓብ ዝትዛብዐን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ጀነሬተራት ቴክኒካል ፋይናንሻልን ሓደ ዋና ሓደ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት ሲፒኦ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ሸም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዮ ፖስታ ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ናብ ዝተዳለ ሳነዱቅ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ይከዉን

7 እቲ ጨረታ ዕለት 18 ነሓሰ 2008 ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዮ በተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይክዉን::

8 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ

0344410250