ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱስትርን ክልል ትግራይ

ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን  ነቲ ቢሮ  ግልጋሎት ዝዉዕል ፈርኒቸር ዝተፈላለዩ  ናይ  ኤሌክትሮኒክስ  አቑሑት ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሓታት ክተማልኡ ይግባእ::
ናይ 2006 ዓ/ም ዝተሓደስ ንግዲ ፍቃድ ክተቅረቡ እትክእሉ ::
ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን Tin  ሰርቲፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ ::
ቫተ ዝተመዝገብኩምሉ  ሰርቲፌኬትን ናይ ወርሒ ሰነ ዲክለር ዝገበርክምሉ መረዳእታ እተቅረቡ::
ናይ  2006 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ  መቅረባይነት ሰርትፈኬት እተቕርቡ::
መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ  ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል  ማህተም ፌርማን ክህልዎ ይግባእ::
እቲ ዝቐርብ ዋጋ ንፁር ኮይኑ  ምስ ቫቱ ክምላእ  አለዎ
ተጫረትቲ ዘይምለስ 30 /ሰላሳ ብር /እናከፈልኩምን ሰነድ  ጨረታ ካበ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንድስትሪን ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ  49 ካብ 1/3/2007 ዓ/ም ክሳብ 16/03/2007 ዓም ሰዓት 8:00 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ ::
ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና ምክባር ብር 3000.00 ሰለስተ ሽሕ ብር ብcpo ከትሕዙ እትክእሉ ::
ስዓርቲ ዝሰዓርክምዎ   ንብረት  ብናይ ባዕልኩም  መጎዓዝያ  ኣታዊ ትገብሩ
ኣታዊ  ዝከዉን  ንብረት  ብሰብ  ሞያ  ተፈቲሹ ምስትረጋገፀን አብ  ፈርኒቸር አቑሑት ባዕሉ ገጢሙ የረክብ
እቲ ጨረታ ዕለት 16/03/2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፂዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንድስትሪን ከይዲ ስራሕ  ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት::
ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝትሐለወ እዩ::
ንተወሳኪ  ሐበሬታ  ብስልኪ  ቑፅሪ 0344418589/0344408973  ምሕታት ይካኣል ::

                                                                                         ምስ ሰላምታ

                                                                    ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንድስትሪን