ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ማይ ቅነጣል

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ንክትወዳደሩ ዝስዕቡ ረቀሕታት ክተማልኡ ይግባእ

1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ በቢዘርፉ ዘለዎምን ዘሐደሱን ክኮኑአለዎም

2 ተጫረቲ አብ መቅረብቲ ዝተመዝገቡን ናይ መቅረባይነት መለለዩ ካርድ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግበሪ መለለዩ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናይ ግብሪ ቫት ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ናይ ጨረታ መክበሪ ብጥረገንዘብ 2000 ቅርሺ ወይድማ ብዝተረጋገፀ ቼክ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዉዕሊ ንክአሰር ምስተአወጀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዝሰዓርዎ 10% መክበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ምእሳር ግቡእ አለዎም

7 መፅዐንን መራገፍን ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ማይ ቅነጣል አታዊ ክገብሩ አለዎም

8 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ንናይ ባዕሉ ዘርፊ ካብ 23 ግንቦት 2008 ዓም ክሳብ 3 ሰነ 2008 ዓም ዘይምለሰ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

9 ጨረታ 3 ሰነ 2008 ዓም ሰዓት 8:00 ናይ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8: 30 ይክፈት

10 Â ጨረታ ምስተከፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 20 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ይከዉን

11 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይኑ ናይቲ አቅሓ 20% ምዉሳክ ወይ ምንካይ ይክእል እዩ

12 ፅሬት አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ብዝምልከቱ አቀዲሙ ዝተፀነዐ ብ መርአያ ብባዓል ሞያን ኮሚቴን ብምርግጋዕፅ ቅቡል ዝግበር ይከዉን

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ