1 በዚ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
2 በቲ ዘፈር ናይ 2017 ዓም በጀት ዓመት ፍቃድ ንግዲ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ዝሐደሰ
3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገበ ምካኑ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
4 ንኤሌክትሮኒክስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገቡን ናይ ጥሪ 2017 ም ሒሳብ ዘወራደርሉ መረዳእታ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ
5 ሰነድ ጨረታ ካብ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 230 ጀሚሩ ክሳብ 14/8/2017 ዓም ኣብ ሰዓት 4:00 ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ንብረት ምምሕዳርን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ቢሩ ቀፅሪ 7 ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል
5 ዝሰዓረ ተጫራታይ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን ብናይ ባዕሉ መፅዓንን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ከቅርብ ዝክእል
6 መከበሪ ሰነድ ጨረታ ቢድ ቦንድ ናዉቲ ህክምንናን እንስሳን መድሓኒትን 5000 ብር : ፅሕፈት መሳርሒን 3000 ብር : ፅሬት መሳርሒ 3000 ብር : ንኤሌክትሮኒክስ 50000 ብር : ፍርናሽ 3000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመሰረት ዉሕስና ባንኪ ወይ በባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊፋይድ ቼክ ማለት እዉን ስፒኦ ወ ኣብ ኩነገታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል
7 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዝሐዘ ኮይኑ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ እቲ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ ከቅርብ ዝክእል
8 ሰነድ ጨረታ ክሳብ 14/8/2017 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣታዊ ኮይኑ ልክዕ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:15 ንጎሆ ዝክፈት ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከለቶም ብዘይምህላዎም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን
9 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ገዘ ካብ 30 ማዕልቲታት ዘይበልፅ ይከወን
10 ተጫረቲ ንዝቅርብዎ ንብረት ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ብዘቅርቦ እስፐስፊኬሽን ማለት እዉን ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት የቅርብ
11 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ምዉሳክን ምቅነሳን ይክእል እዩ
12 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ
13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914175554 / 0946468445