ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሐዉዜን

1 ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነትን ኣብ ጨረታ ዝከፈተሉ ኮፒ ዘቅርብ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም ኮፒ ዘቅርብ

3 ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳአታ ኮይኖም ናይ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳአታ ኮፒ ዘቅርብ

4 ኣብ ጨረታ ሰነድ ንፀረ ዝኮነ ሽም ፊርማ ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ክግበር አለዎ

5 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይበሉ ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቀ ትክክላኛ ነፀላ ዋጋ ክጥቀሙ አለዎም

6 ካብ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን

7 ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ክምልኡ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብሙሉኦም ብትክክል መሊኦም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከያጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ ናይ ጨረታ መክበሪ ዉሕስና ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፈሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ማለት አዉን ብስፒኦ 30000 ከትሕዝ ይግባእ

9 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሓዉዜን ከይዲ ስራሕ ትልሚ በጀትን ዕድጋን ፋይናንስን ምምሕዳርን ቁፅሪ 03 ዘይምለስ 1500 ቅርሺ እናከፈሉ ጨረታ ሰነድ ክወስዱ ዝክእሉ ኮይኖም ሰነድ ዝሽየጠሉ ምክልታ  ካብ ዝተጋሐሉ ዕለት 30/7/2017 ዓም  ክሳብ 9/8/2017 ዓም ንተከታታሊ 10 መዓልቲታት ይከዉን

10 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 9/8/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ዝክፈተሉ ድማ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እነተዘይተረከቡ እዉን አብ ዉሸጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይከፈት

11 ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝፈለጠሉ ወይድማ ካብ ዝተፅሓፈሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዘ መክበሪ ዉዕለ ብር ተወሪሱ ብሕጊ ይሕተት
12 ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ንበይኑ ኮፒ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሸገ አንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

13 ቴክኒካል ደኩመንት ንበይኑ ፋይናንሻል ደኩምን ድማ ንበይኑ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ አታዊ ይግበር

14 ዊዝ ሆልድ ታክሲ ምክፋል ግዴታ ምካኑ ምርዳእ የድሊ

15 ሰዓራይ ጨረታ እንተበዝሐ ኣብ ዉሽጠ 11 ወርሒ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ሓዉዜን ከረክብ አለዎ

16 ኣብቲ ዝተጠቀሰ በዝሒ ኣዋርሒ እንተዘይኣረኪቡ 0.1% ወይድማ 1/1000 ኣብ ማዓልቲ ተቀፂዑ አታዊ ይገብር

17 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብስፒኦ ከቅርበ ዝክእል

18 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብኦርጅናልን ከፒን ብክልተ ፖስታ ዓሽጉም ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ኣታዊ ክገብሩ አለዎም

19 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብከፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ   0938169850   0914319951 0914346002