ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን ዓብዮ ዓዲ

1 ሰለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ ዝርዝር ናይቲ ኣቅሑት ዝሐዘ ሰነድ ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓብይ ዓዲ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረት ቀሪብኩም ካብ ዕለት 3/8/2017 ዓም ክሳብ ዕለት 17/8/2017 ዓም እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

1 ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝተሐደሰ ቅዳሕ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ዝተመዝገበሉ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ መዳራእታ ከቅርብ አለዎ

4 ናይ 2017 ዓም ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ቅዳሕ መረዳእታ ዘለዎ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይቲ ጨረታ መክበሪ መሳርሒ ህንፃ : ኣቅሑት ኤሌክትሪክ : ኣቅሑት ኣዉቶሞቲቭ  6000  :   ኣቅሑት  ኤሌክትሮኒክስ 16000 : መሳርሒ ፅሕፈት 3500 ብስፒኦ  ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

6 ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ሐዊሱ ክመልእ አለዎ

7 ናይ ወርሒ የካቲትን ወይድማ መጋቢትን ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ዝከፈለሉ ከቅርብ ዝክእል

8 ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሮም ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓብ ዓዲ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ብምዉሳድ ብክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ነኒበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይክእሉ

9 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ ዕለት 17/8/2017 ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:05 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይኩን ኣብዘይተረክብሉ ይክፈት

10 ሰ’ራይ ጨረታ ንዘሸነፈ ኣቅሑት መጎዓዓዚ ይኩን መፅዓንን መራገፍን በዓሉ ብምሽፋን ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓብ ዓዲ የረክብ

11 ተጫረቲ ሰዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳፍር ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታሊ መዓልቲታት ኣቅሑት የቅርብ

12 ብዉዕሉ መሰረት ብእዋኑ ዘይቀረቡ ኣቅሑት ብናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት አብ መዓልቲ 1/1000 ይቅዓፅ

13 ዝኮነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ባዶ ናይ ጨረታ መምሊኡ ብትክክል ኣቀሚጡ ክወዳደር አለዎ ካብኡ ዋፂኢ ብካሊ ዘቅርበ እቲ ኮሌጅ ኣይቅበሎን ካብ ጨረታ ወድቂ ይከዉን

14 እቲ ትካል ኣብ ሐደ ኣይተም 20 ሚእታዊ ምዉሰክ ወይ ምንካይ ይክእል እዩ

15 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914754759 /  0914754360  /