1 በዚ ዓዉዲ ዝምልክተኩም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ትካላት ዝኮንኩም
2 በቢሮ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ደኩመንት ዘይምለስ ብር 500 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ሕርሻ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣብ ኢትዩጰያ ንግዲ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 1000539035658 ኣታዊ ገይርኩም ቅብሊት ሒዝኩም ብምቅራብ እቲ ናይ ጨረታ ሰነስ ማለት እዉን ካብ ቢሮ ቁፅሪ 12 ካብ ቢሮና ጉጅለ ዕደጋ ምዉሳድ ትክእሉ
3 ተወዳደርቲ ናይ ሎሚ ዘበን ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ናይ ግበሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /TIN/: ናይ መቅረበቲ ምዝገባ ሰርተፊኬት : ቫት ሰርተፊኬትን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሪፖርትን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ምትሕሓዝ የድሊ
4 ተጫረቲ መምርሒ ጨረታ ብጥንቃቀ ሪኦም ክወዳደሩ አለዎም
5 መከበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝተጠቀሰ መጠን ገንዘብ ብስፒኦ ዝተሰርሐ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ አትሒዞም ምቅራብ የድሊ
6 ቢሮናይ ናይቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
7 እቲ ጨረታ 14/8/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ክርከቡ ዝደልዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቢሮና ዕደጋ ክፍሊ ይክፈት
8 ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ 0344 403663