መቀነት ዕቋርን ልቃሕን ሕ/ስ/ማ

ናይ ዓመታዊ ኦዲት (ናይ ሒሳብ ምርመራ) ግልጺ ጨረታ ምልክታ

መቀነት ዕቋርን ልቃሕን ሕ/ስ/ማ ናይ 2016ዓ/ም በጀት ዓመት ዓመታዊ ኦዲት (ናይ ሒሳብ ምርመራ) ማለት እውን ካብ ጥሪ 08, 2016 ዓ/ም ክሳብ የካቲት 30, 2017 ዓ/ም ኣፍልጦ ብዘለዎ ናይ ሒሳብ በዓል ሞያ ንምግባር ናይ ደገ ኦዲተራት ብረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ከግብር ይደሊ፡፡ ስለዚ በቲ ቀሪቡ ዘሎ መሰረት ናይ ኦዲት መግበሪ ዋጋ መሊእኹም ንኽትሰዱልና ንሓትት።

ኣብዚ ጨረታ እዚ ንምውድዳር እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ምምላእ ግድን እዩ፦

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መለለዪ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ (ቲን ነምበር) ዘለዎ፡፡

2. ናይ ዘመኑ ግብሪ ናይ 2017 ዓ.ም ዓመታዊ ግብሪ ዝኸፈለ

3. ናይ 2017 ዓ.ም ሒሳብ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰ መረጋገፂ ወረቀት ምስክር ዘቅርብ

4. ተወሳኪ እሴት ወይ ቲኦቲ ዝተመዝገበ ንግዲ ፍቃድ ቲን ሰርተፍኬተን ካልኦ ንጨረታ ዝጠቅሙ መረዳእታ ብኮፒ ከቅርብ ዝክእል

5. ክፍሊት እንትፍፀም ሕጋዊ ሕትመት ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል ፡፡

6. ተጫራቲ ተመሳሰልቲ ተቋማት ኦዲት ዝገበረን እንተንኢሱ ሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ስራሕ ልምዲ ዘለዎ።

7. ተጫራታይ እቲ ናይ ኦዲት ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ወዲኡ ንስራሕ ፈጻሚ ኮሚቴ ከረክብ ዝኽእልን ካብ ንስራሕ ፈጻሚ ኮሚቴ ንዝወሃብ ርኢቶ ከስተኻኽል ዝኽእልን።

8. እዚ ፕርፎርማ ጨረታ ከም ዉዕሊ ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ ፈሊጡ ክጫረት ዝኸእል፡፡

9. ተጫራታይ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ምቅራብ 200 ቅርሺ ብምኽፍል ናይ ጨረታ ነድ ምውሳድ ይኽእል። 

10.ተጫራታይ ጨረታ መኽበሪ ብር 10,000 ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ኣለዎ።

11. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ዝወፀሉ ዕለት 22/07/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንተከታታሊ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ቀዳም ሓዊሱ ይኸዉን፡፡

12. ናይ ጨረታ ፕርፎርማ ዝዕፀዐ ዕለት 26 /07/2017 ዓ.ም ንጉሆ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኮይኑ ዝክፈተሉ ብተመሳሰሊ ዕለት ንጉሆ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዘለዉዎ

13. ማሕበርና ዝሐሸ ማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብኸፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0954-88-00-00 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።