ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት

ስለዚ ነዞም ዝተገለፁ ዓየነት ዕድጊት ስራሕን ንናይባዕሎም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መቅረብቲን ኣናሽቲ ንግዲ ትካላትን ከምዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መዐቀንታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም

1 ኣብ ስራሕቲ ማይ እትወዳደሩ ደቀቅትን አናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተወደ ብኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ዝተወደቡ ብብርኪ 9 ብናይማይ ህንፀት ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ብቅዓ ት መረጋገፂ ናይ መቅረባይ ካርዲ ናይ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ሰርትፍኬት ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓም ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

2 ንኩሎም ዓይነታት ጨረታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቲን ነምበር ናይ መቅረባይነት ካርዲ ዝተመዝገኩም ዘለኩም

3 ኣብ አቁሑት መለዋወጢ መካይን ዘርኢ አግራብ እትወዳደሩ በቲ ዝተጠቀሰ ዓይነት ዕድጊት ፍቃድ ዘለኩም ናይ መቅረባይ ካርዲ ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓም ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

4 ናይ ቫት ዲክላረሽን በቢወርሒ አታዊ ዝገበረሉ ክሳብ መጋቢት 30 2008 ዓም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዘተሓሕዝ ክከዉን አለዎ

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 12/ 09 /2008 ዓም ክሳብ 26/ 09 /2008 ዓም ሰዓት 5 ፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዝርከብ ሳፁን ክተእትዉ ትክእሉ

6 Â ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 26/09/ 2008 ዓም ሰዓት 5፡ 30 ናይ ንግሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 መክበሪ ጨረታ መሸጢ ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ስፐስፊኬሽን ተቀሚጡ ይርከብ ካልኦት አድለይቲ ዝባሃሉ ሓበሬታ ዉን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ተቀሚጡ ስለ ዘሎ ኣብኡ አምቢብኩም ምርዳእ ትክእሉ

9 ብጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲን ደኣንትን ኣብ ናይ መለዋወጢ አቁሑት መካይን ዘርኢ አግራብ ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ መፅዐንን መራገፍን ወፃኢ ሸፊኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ከረክቡ ክክእሉ ኣለዎም

10 ስራሕቲ ማይ ኣብ 35 መዓልቲ ተሰሪሑ ተወዲኡ ርክክብ ክፍፀም አለዎ

11 ቤት ፅሕፈት በቲ ዘቅረቦ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ልብ በሉ አብዚ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ መብራህርሂ ክሓትት ዝደለየ መቅራባይ ስልኪ ቁፅሪ 0345570156 ወይንድማ 0345570157 ደዊልኩም ንናይ ዕዳጋታት ኪኢላታት ምሕታት ትክእሉ