ቤት መዘጋጃ ኣክሱም

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ምዝገባን ንግድን ፍቃድ ስራሕ :ናይ ኮንስትርክሽን ወይ እዉን ተኮነተራይንት ምዝጋባ ካርድን : ወረቀት ምስክር ምዝገባ ከፋላይ ግብሪ : ወረቀት ምስክር መቅረባይነት : ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ምዝገባ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ እሴት ታክስ ዲክላራሽን ዘቅርብ

2 መክብሪ ጨረታ 400,000.00 ቅርሺ ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ ዘቅርብ ኮይኑ ብናይ ቢሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካል ብዝተረጋገፀ ቼክ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ወይ እዉን ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረክብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 210 ተከታታል መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዲዛይን ህንፀትን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 3500 ቅርሺ ኣብ መዘጋጃ ቤታዊ እቶት ብምክፋል 17/7/2017 ዓም ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዲዛይን ህንፀትን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ 16 ምዉሳድ ትክእሉ

5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሐደ ዋና ሐደ ቅደሕን ቴክኒካል ሰነድ ጨረታሐደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ድማ ፋይናንሻል ሰነድ  ጨረታ ምክብሪ ጨረታ ስፒኦ ብቅዓት መረጋገፂ ስራሕ ተኮነታራይነት ፍቃድ ንግዲ ስራሕ ወረቀት ምስክር ምዝጋባ መቅረባነት ወረቀት ምስክር ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን ምዝጋበ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ነኒበይኑ ብምሽዓግ መሊስካ ኣብ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ አብ ዝባኑ ዋና ቅዳሕን ሽምን ኣድራሻን ተፃሒፍሉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 30/7/2017 ዓም ሰዓት 300 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ወይ ብወኪል ብምምፃእ ከእትዉ አለዎም

6 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ጨረታ ፊርማን ማህተምን ሃቲሞም ቅደም ሰዓብ ሐላዩም እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ 29/7/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ ኣዳራሽ ቤት መዘጋጃ ከተማ አክሱም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ፍትሓዊነት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ደቂ ተባዓትን ደቂ ኣንስቲዩን ማዕረ ክፍሊት ክከፍል ዝክእል

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342750903