መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ


ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ኣትክልቲ ማለት 'ውን ቀይሕ ሽጉርቲ፣ ፃዕዳ ሽጉርቲ ፣ ድንሽ፣ ኮሚደረን ጉዕ፣ ኣዮዲን ጨውን ኩነርን) ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ፣ ቫት ሰርትፊኬትን ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለዎምን ኮይኖም ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቫት ከይሓወሰ (ብዘይ ቫት) ንሓደ ዝሸጥዎ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 18/07/2017 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 30/07/2017 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ቀረብ ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ፅሬትን መሰረት ኮይኑ ኣሸነፍቲ ጨረታ ን3ተ ወርሒ ናይ ዋጋ ለውጢ ከም ዘይግበር ፈሊጦም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

5. እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 30/07/2017 ዓ/ም ቅ/ሰዓት 4፡00 ተዓፅዪ 4፡30 ይኸፈት፡፡

6. ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

7. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ፡፡

8. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ፡፡

9. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ እቲ ትካል 7.5% ቫት ዘኸፍል ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም ።

10.ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ቀረብ ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ሰሙናዊ ቀረብ ምእታው ክጅምር ይግባእ፡፡

11. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

12. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዋ ጌጋ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቀ ክትመልኡ ይግባእ፡፡