1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኵም ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ
2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም
3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ
4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ
5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚርኩም ከሳብ 18/7/2017 ዓም ክሳብ 2/8/2017 ዓም ሰዓት 11:00 ጥራሕ ዘይምለስ 300 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ትልምን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 102/1 ምዉሳድ ትክእሉ
6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ናይ ቴዩታ ላንድኩርዘር መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት 5000 /ሓመሽተ ሽሕ ቅርሺ / ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ብባንኪ ዝተረጋፀ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ ከትሕዙ አለዎም
7 ሳንዱቅ ጨረታ 3/8/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ተጫረቲ ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም ንምክፋትግን ዝዓግቲ ነገር ኣይህልዉን
8 ዝምልእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ
9 ኣብቲ ዝምልእ ዋጋ ብዝዓብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝምለእ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝተመለአ ተሓሳቢ ይግብር
10 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝቁፀር ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታታሊ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ካልአይ ደብሪ ቁፅሪ 203 ከረክብ ዝክእል
11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተም ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ
12 ብተወሳኪ ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን በበይኑ ዓሺጉ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብር አለዎ
13 ካብዚ ወፃኢ ዝኮነ ይኩን ሕቶ ቤት ፅሕፈትና ዘይተኣናግድ ምካኑ ነፍልጥ
14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693 / 0914730881