ምልክታ ጨረታ
ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር Power Back Up Battery 12V, 100AI, Valve-Regulated Lead Acid በዝሒ 64 PIECES ብቕሉዕ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ በዚ ዘርፊ ስራሕ ፍቓድ ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዓቀኒታት እተማልኡ ሕጋዊ ነጋዶ አብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም።
ናይ ጨረታ ረቛሒን
1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2016/ 2017 ዓ.ም ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኸእል ክኾውን ኣሎዎ።
2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ ንግዳ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳትን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ሓደ ዋጋ ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋጋኦም ካብ ዕለት 31/03/2025 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 14/04/2025 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናቐረቡ ነዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ከእትዉ
3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ (CPO) ብር 50,000.00(ሓምሳ ሽሕ ብር) ምስ ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ፡፡
4. ጨረታ ዕለት 14/04/2025 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡ ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ መኸፈቲ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን። (ዕለት 14/04/2025 ዓ.ም.ፈ በዓል እንተኾይኑ ቐፂሉ ዘሎ ማዓልቲ ዕለት 15/04/2025 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ይኸፈት)
5. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፡፡ ጨረታ ዶክመንት ንሕድሕድ ገፅ ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።
6. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ኩነታት ቫት ብግልፂ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ።
7. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።
8. ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት የብሉን፣ ናይ ተጫረቲ ድምርን ካልኦት ጌጋታት እንተሃልዩ ተጫራታይ ሓላፍነት ይወስድ። ትካልና ናይ ተጫረታይ ስልሒት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፍነት የብሉን።
9. ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር ኣይቐርብን።
10. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ይግባእ፡ ሲፒኦ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል
እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሓዝዎ ናብ ትካል ኣታዊ ኾይኑ ካሊእ መማረፂ ይወስድ፡፡
11. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዉዕሊ ኸበሪ (Performance Guarantee) ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ብCPO ከትሕዙ ይግባእ። ሰዓራይ ተጫረታይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብውዕሊ መሰረት ኣብ 10 መዓልቲ ከቕርቡ ይግባእ። እንተዘይኾይኑ ግና ንውዕሊ መኸበሪ Performance Guarantee ዘትሓዝዎ 10% ናብ ትካል ኣታዊ ኾይኑ ትካል ኻሊእ መማረፂ ይወስድ።
12. ትካልና እቲ ጨረታ ምሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ:
ናብ ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኸእሉ ወይም ብስ.ቁ 0914708567/0928477465 ክድውሉ ይኽእሉ::