ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

1 ናይ 2017 ዓም በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩምን ቅዳሕ ዘርቅብን

2 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል ናይ ወርሒ ጥሪ ወይ የካቲት 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ ወይ ዲክላሬሽን መረዳእታ ቅዳሕ ዘቅርቡ

3 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ቅዳሕ ዘቅርቡ

4 ኣብ መቀረባይት ዝተመዝገብኩም በቢዘፈረኩም ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ወይድማ ኣብ ዕደጋ ንብረት ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሐበሬታ ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ንኩሎም ፈቃዳት ዋና ምስ ሐደ ቅዳሕ መረዳእታ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

6 ዝተማለአ ሰነድ መቅረቢ ዋጋ ሐደ ዋና ሐደ ቅዳሕ ጠቅላላ ክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

7 መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ብስፒኦ ክትሕዝ ዝክእል ወይ ብጥረ ገንዘብ እንተኮይኑ ናይ ሒሳብ ባንኪ ቁፅሪ 1000539538431 ኣታዊ ገይሩ ቅብሊት ከቅርብ ዝክእል

8 ዕድጋ ፈፃሚ ኣካል ምስ ናይ ቤት ፅሕፈታት በጀት መሰረት ብምግባር 20 ሚእታዊ ካብ በዝሒ መጠን ዝተሐዘ ንብረት ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

8 መከበሪ ዉዕሊ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ዉሕስና ከቅርብን ከትሕዝን ዝክእል

9 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሕሉ ግዝ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን30 ተከታታሊ መዓልቲታት ይከዉን

10 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 15 ተካታታሊ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓያ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከቅርብ ዝክእል

11 ተጫረታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብግዝያዊ መረከቢ ናብ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይገብር ብዝምክቶ ባዕል ሞያ መስተረጋገፀ ኣታዊ ይከዉን
12 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እንተሃልዎ ናይ ባዕል ዋና ፈርማ ክህለዎ አለዎ እንዘተይኮይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

13 ናይ ጨረታ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዘይምለሰ 500 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ 15/7/2017 ዓም ክሳብ 29/7/2017 ዓም ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

14  ሰነድ ጨረታ 30/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

15 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342440307