1 ተጫረቲ ናይ ትወዳደርሉ ዓዉዲ ንግዲ ኣብ ፖስታ ዉሽጢ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል
2 ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ብተወሳኪ ድማ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
3 ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳትኣ ዘቅርቡ ወይ ድማ ብፊዴራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረት ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሐበሬታ ኣብ ዝተረከበሉ መረዳእታ ዘቅርቡ
4 ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽምን ኣድራሻን ሕጋዊ ማሕተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክገብር ዝክእል
5 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን
6 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ንብረት ናይ ቫት ወጋ ሓዊሱ ትክክለኛ መቅረቢ ነፀላ ዋጋ ከቅምጥ አለዎ
7 አብ ዝመልኦ ዋጋ ቫት እንተዘይሓዊሱ ከም ዝሐወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ በቢዝምልከቶም ዘርፊ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ እዉን ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ትሕጃ መከበሪ ጨረታ ሰነድ ንኤሌክትሮኒክስ 40000 ንፅሕፈት መሳርሒ 6000 ከትሕዝ ዝክእክል
9 ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስትዩቲት ምርመራን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግኣዚ ክልል ትግራይ ከተማ ዉቅሮ ዳይራክትሮት ዳይሪክተር ዕድጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 20 ዘይምለስ 500 ቅርሺ ጥራሕ ብምፍፃም ምዉሳድ ይክእሉ
10 ጨረታ ካብ ዕለት 5/7/2017 ዓም ከሳብ 30/7/2017 ዓም አብ አየር ይፀንሕ
11 እቲ ጨረታ ዕለት 30/7/2017 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኢንስትዩቲት ምርመራን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግኣዚ ክልል ትግራይ ይክፈት እነተዘይሃለዉን አብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ብስርዓት ዝቀርበ ይክፈት
12 ሰዓራይ ዝፈለ ብነፀላ ዋጋ ኣቅሓ ዝቀረበ ምካኑ ክፍለጥ አለዎ
13 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ንበይኑ ፎቶ ኮፒ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይግባእ
14 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረል ዕለት ጀሚሩ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ማዕለታት ብናይ ባዕሎም መጎዓያ ናብ ኢንስትዩቲት ምርመራን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግኣዚ ክልል ትግራይ ከተማ ዉቅሮ ከረክቡ ይክእሉ
15 ሰዓራይ ዘርቦ ብመሰረት ትካልና ዘዉፀኦ መግለፂ ኦርጅናል ክፍለጥ አለዎ
16 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914161156