ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/703/ሀ-01
ዕለት 09/07/2017ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 09/2017 ዓ/ም
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንግሪነሪ ስልጠና ዝውዕሉ ኣቅሑት ማለት እውን ፦
• ናይ ግሪነሪ ቀረባት ( ፍይሪ/flowers/ ን ከምኡ እውን ማንጎ/ ኣፕል ማንጎን ኣቮካዶን
• ኮምፕላሰን
• ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ
ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ማለት እውን ፦
1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።
2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም።
3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዘለኩም ።
4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።
5/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ ( ዝረአዩ )ክኾኑ ኣለዎም።
6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 09/07/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 11/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።
7/ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 12/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኸፈት።
8/ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።
9/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።
10/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
11/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን፡
12/ ኣብ ናይ ፕሮፎርማ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ምግባር ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ብዝብል ምምላእ ኣይፍቀድን ፡፡
13/ ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምምፃእ (ምእታው) ኣይከኣልን። 14/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።