ኮሚሽን ፕላን ትግራይ

1 በዚ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ ዚ ዘበን ሕጋዊ ፍቃድ ንግድ ዋና ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

3 በዚ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገብ ምካኑ ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ መስክር ወረቀት ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

5 ሰዓራይ ምካኑ ምስትፈለጠ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሓመሽተ መዓልቲ ንምድብ ሐደ ንምድብ ክልተ ድማ ኣብ ዉሽጠ ሸዉዓተ መዓልቲ ንምድብ ሰለሰተ አብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ እቶም ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ  ናብቲ ቢሮ እስቶር ክፍሊ ክእትዉ ዝክእል

6 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታን ንኩሎም ምድብ ሎት ሐደ ክሳብ ሰለሰተ ነንሕድሕዶም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ሳልሳድ ደብሪ ካብ 10/7/2017 ዓም ክሳብ 23/7/2017 ዓም ምዉሰድ ይከኣል

7 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ሰነድ መክበሪ ንሕድሕድ ጨረታ ምድብ ሐደ 5000 ቅርሺ ሎት ክልተ 5000 ቅርሺ ሎት ሰለሰተ 3000 ቅርሺ ብሽም ኮምሽን ፕላን ክልል ትግራይ ብስፒአ ወይድማ ብሰርቲፋይድ ቼክ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቢሮ ሳንዱቅ ጨረታ ክእትዉ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ 23/7/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 3:30 ኣብ ኮምሽን ፕላን ትግራይ  ከይዲ ስራሕ ዕደጋ  ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እቲ ቢሮ ኣብ ዕደጋ ዓዲ ሓቂ ዝርከብ ባንኪ ንግዲ ኢትዩጰያ ሳልሳይ ደብሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 እቲ ጨረታ ምስትከፈተ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

9 እቲ ቢሮ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሰኪ ሐበሬታ 0342404272