1 በዚ ዘርፊ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዶ ዘለኩም ኣብ ናይ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገበን
2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳእታ ዘቅርብን
3 ናይ ከፋላይ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ንሐድሽ ተመዝጋቢ ብተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ነጋዳይ ሒሳብ ዘየወራረደሉ ምክንያት ድጋፍ ደብዳቤን ከቅብ አለዎ
5 ተጫረቲ ግብሪ 2017 ዓም ዝከፈለን ፍቃድ 2017 ዓም ዝሐደሰን ናይ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
6 ተጫረቲ ዝተጫራተሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይስርዝ ድልዝ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን መሊኡ ብንፁር ሽም ኣድራሻን ፊርማን ማህተምን ገይሩ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በበይኑ ገይሩ ኣብ ክልተ ፖስታ ዓሺጉ ንነብወከፍ ሰነድ ዋና ቅዳሕን ተማሊኡ ኣብ ደጋፈ ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ማእከል ቤት ህንፅት ዓብይ ዓዲ ንጨራታ ኣብዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ዝክእል
7 ተጫራቲ ጨረታ ካብ ዝሸነፈሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሩ መክበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዝብ ወይ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእልን
8 ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ከቅርብ ዝክእል
9 ካብቲ ዝወፀ ዝርዝር ንብረት ወፃኢ ካሊእ መብራርሂ ምቅማጥ ወይድማ ምቅያር ኣይክኣልን
10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ማእከል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ምዉሳድ ይክእል
11 ንዘቅርቦ ንብረት መርኣይ ወይድማ ሳምፕል ካብ ትካል መፂኡ ክወስድን ክርኢ ይክእል
12 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዝ ካብ 5/7/2017 ዓም ክስብ 26/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ይክፈት
13 ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ ዝምለስ 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝ ክትሕዚ አለዎም
14 በዘይኣገባብ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተነ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ምካኑ ከምእዉን ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ገንዘብ ዝዉረስ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ
15 ተጫረቲ ግልፂ ኣብዘይኮነሎም ብኣካል መፂኦም ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0942253841 ደዊልካ ምሕታት ይክኣል
16 እቲ ማእከል ህንፀት ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
17 እቲ ትካል ሰዓራይ ምስተፈለጠ ከክምኣድላይነቱ ናይቲ ዝዕደግ መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክን ክቅንስ ይክእል