ማኀደረ ስብሐት ቅድስተ ቅዱሳን ማርያምን ቅዱስ ሩፋኤልን ካቴድራል ቤተክርስቲያን መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተክርስቲያን ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ ብናይ ጉልበት (ሰብ ሓይሊ) ዋጋ ንህንፃ ተቛረፅቲ አወዳዲሩ እቲ ዝተጀመረ ሓዱሽ ህንፃ ቤተክርስቲያን ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ናይ ህንፀት ደረጃ ጀሚሩ ናይ ዝተረፉ ኮለናት ምስ መሰረቶም/ footings & footing columns /# መንደቕ / Retaining wall/ # ቤዝመንት# ግሬድ ቢም# ማሻሻታ ምስ ኮንክሪቱን ከስርሕ ይደሊ::

ስለዝኾነ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ዘማልኡ ኮንትራክተራት ኣብቲ ጨረታ ንኽሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም::

1. ደረጃ/5/ ሓሙሽተን (BC OR GC) ልዕሊኡን ብርኪ ፍቓድ ዘለዎ ኮንትራክተር

2. ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ግብሪ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ሰርተፊኬትን ናይ ሕሉፍ ወርሒ ዝኽእሉ::

ኸፋላይ መለለይ ቁፅሪ /TIN/፣ ዝተሓደሰ ወረቐት፣ ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን ዝወሃብ ቫት ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቕርቡ

3. ብስም ማ/ስ/ቅ/ቅዱሳን ማርያምን ቅ/ሩፋኤልን ካቴድራል ምም/ር ሰበካ ጉባኤ ዝተዘጋጀወ መኽበሪ ጨረታ ብር 100,000 /ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር/ ብመልክዕ ሲፒኦ ወይም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ከትሕዙ ዝኽእሉ::

4. እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 28/06/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 10/07/2017 ዓ/ም ኣብ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተክርስቲያን ብምቕራብ ዘይምለስ ብር 500/ሓሙሽተ ሚኢቲ/ ብምኸፋል ካብ ዲያቆን ተወልደ /0945990250/ ብደረሰኝ ምግዛእ ከምዝከኣል ንሕብር::

5. ተጫረቲ ክሳብ ሮቡዕ ዕለት 10/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቕድሚ ሰዓት ብኣካል ብምምፃእ ሰነድ ከእትዉ ዝኽእሉ እንትኾን ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ አብ ዕለቱ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ቕድሚ ሰዓት ኣብ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተክርስቲያን ቤ/ፅሕፈት ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝኽፈት እንትኾን ካብ ተጫረቲ ዝተሓተ ዋጋ ዘቕረበ ሰዓራይ ይኸውን::

6. እቲ ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ እናሓበረ ተጫረቲ ብሞባይል ቑፅሪ 0914705990 /ፍስሃ/ ወይም 0914301778 /ሰሎሞን/ ብምድዋል ተወሳኺ ሓበሬታ ምርካብ ዝኽእሉ ምዃኖም