ንካልኣይ ግዜ ምልክታ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምልሻን እቶትን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።
ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬት ከቅርቡ ዝኸእሉን ።
2. መኸበሪ ጨረታ ብር 3,000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።
3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 200(ሐደ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።
4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።
5. ጨረታ ካብ ዕለት ዕለት 02/07/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 11/07/2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ይኽፈት።
6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 34 ይኽፈት ።
7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።
8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።
9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።
10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
11. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።
12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።