ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኣብ ቢሮ ስላምን ፀጥታን ትግራይ ግንባር ደቡብ ኣርሚ 26 ዘፈር ፋይናንሰ ናይ ምምራትን ምቕራብን ባኒ ብስርዓት ዕደጋ ብማሸን ሰንኪቱ ዘቕርብ ብግልፂ ጨረታ ከወዳደር ይደሊ። በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝቐረቡ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንኸትወዳደሩ ይዕድም።
መምርሒ ተጫረትቲ
1. ናይ ዚ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ቲን ንመቅረባይነትን ዘቕርብ ፤
2. ንባኒ መሳርሒ ዝጥቀመሉ መብራህቲ ተጠፊኡ ጀነሬተር ብናይ ባዕሉ ነዳዲ /ወፃኢ/ ክቕርብ ዝኸእል ፤
3. ኣርሚና/ኮራትና ኣብ ዘለዎኦ ማሽን ዝተክል ወይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ዘብፅሕ ፤
4. ጨረታ ዝኮየደለ ቦታ ከተማ ሳምረ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ወረዳ ሳምረ እዮ ፤
5. ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት ካብ 01/07/2017 ዓ/ም ክሳብ 12/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናብ ምምሕዳር ወረዳ ሳምረ ኣታዊ ክትገብሩ እትኸእሉ፣
6. እቲ ጨረታ ዕለት 12/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:45 ንጉሆ ይኸፈት፣
7. ስዓራይ እቲ ጨረታ ዝኾነ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 01/08/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ባኒ ኣምሪቱ ከቕረብ ዝኸእል ፤
8. ኣርሚና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ
9. ካብዚ ዕለት ጀሚሩ ጨረታ ሰነድ ካብ ኣርሚ 26 ዘፈር ፋይናንስ ቢሮ ሳምረ ወይ ካብ ደቡብ ግንባር ዘፈር ፋይናንስ መቐለ ዲያሰፖራ ዕዳጋ ፍሓም ፊት ንፊት ብነፃ ክወስዱ ይኸእሉ እዮም
❖ ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 09-19-43-54-71 ወይ 09-14-76-54-31 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር::