ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

1 ናይ 2017 ዓም በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩምን ቅዳሕ ዘርቅብን

2 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል ናይ ወርሒ ታሕሳስ ወይድማ 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ ወይ ዲክላሬሽን መረዳእታ ቅዳሕ ዘቅርቡ

3 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ቅዳሕ ዘቅርቡ

4 ኣብ መቀረባይት ዝተመዝገብኩም በቢዘፈረኩም ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ወይድማ ኣብ ዕደጋ ንብረት ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሐበሬታ ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ንኩሎም ፈቃዳት ዋና ምስ ቅዳሕ መረዳእታ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

6 ዝተማለአ ሰነድ መቅረቢ ዋጋ ሐደ ዋና ሐደ ቅዳሕ ጠቅላላ ክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

7 መከበሪ ጨረታ 20000 ቅርሺ ብስፒኦ ክትሕዝ ዝክእል ወይ ብጥረ ገንዘብ እንተኮይኑ ናይ ሒሳብ ባንኪ ቁፅሪ 1000539538431 ኣታዊ ገይሩ ቅብሊት ከቅርብ ዝክእል

8 መከበሪ ዉዕሊ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ዉሕስና ከቅርብን ከትሕዝን ዝክእል

9 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕሉ ግዝ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 ተከታታሊ መዓልቲታት ይከዉን

10 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ስራሕ ብዉዕሉ መሰረት አብ ዝወሃቦ ግዝ ገደብ ሰሪሑ እንተዘይኣረኪቡ ካብ ዘይኣቅረቦ ንብረት ጠቅላላ ዉዕሊ በቢመዓልቱ 1/1000 ከሳብ 10 ሚእታዊ ዝበፅሕ ዝቅዓፅ እንትከዉን ኮይኑ ግና ናይቲ ስራሕ ፅቁዐነት ተራእዩ 10 ሚእታዊ ክሳብ ዝበፅሕ ብዘይምዕባይ ዘትሓዞ መከበሪ ዉዕሊ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ብምግባር ዉዕሊ ዝፈርስ ብምካኑ ብምምርሒ ፋይናንስ ተፈፃሚ ይከዉን

11 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ጣብያ በለስ ዓዲግዳ ማይኣድራሻ ቀላቅል ሃፍቶምንን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዘበነዊ ቆፎ ምስ ኣክሰሰሪኡ ኣብ ዉሽጢ 35 መዓልቲ ንጫቁቲ ደርሂ ሳሶ ማለት እዉን ዱዋል ናይ ስጋ እንቆቆሓን ዝኮና ኣብ ዉሽጪ 15 መዓልቲታትከረክብ ዝክእል

12 ዕድጋ ፈፃሚ ኣካል ምስ ናይ ቤት ፅሕፈታት በጀት መሰረት ብምግባር 20 ሚእታዊ ካብ በዝሒ መጠን ዝተሐዘ ንብረት ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

13 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ንዘባነዊ ቆፊ ንህቢ ዝተማረፃ ዓሌት ጫቁቲ ደርሂ ሳሶ ንሕድሕዶም ዘይምለስ 500 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ 24/6/2017 ዓም ክሳብ 8/7/2017 ዓም እንዳመፃእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

14 ሰነድ ጨረታ 9/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ባዕልም ወይ ወኪሎም ብዘይምርካብም ስነ ስርዓት ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

15 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342440307