Daughters of Charity Urban Development Project

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርክብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምግብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን ካልኦትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወት

1. 45 መዓልቲ ዝገበራ ቓዊት ናይ እንቋቑሖ

2. ቀለብናይ እንቐቑሖ ደራሁ(ን 45 መዓልቲ ዝገበሪ)

3. ንደራሁ ምግቢን ማይን መቀረቢ ኣቕሓ

4. ናይ ኮንስትራክሽን ኣቑሑን ቆርቆሮ) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንምግዛእ ስለዝደለየ ነዙይ መሰረት ብምግባር እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ እንዳንደምና።

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 27/06/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 3/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

2. እቲ ጨረታ 03/07/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 ( local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 {local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::