ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ

1 ብናይ ህንፃ ተኮናታራይ BC ወይ ጠቅላላ ተኮናታራይ GC ስራሕቲ ደረጃ 5 ልዕሊኡን ኮይኑ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ : ቲን ናምበር  : በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር : ተወሳኪ እሴት ታክስ ሰርተፊኬትን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክልሪሽን ዝገበርክምሉ መረዳትእ ከቅርብ ዝክእል

2 ተወዳደርቲ ኣብ ዝሐለፈ 7 ዓመታት ካብ ለካቲት 2010 ዓም ጀሚሮም ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ህንፃ ስራሕቲ ካብ ሐደ ፕሮጀክት ሸሞንት ሚሊዩን ልዕሊኡን ቅርሽ ወይድማ ካብ ሕድሕድ ክልተ ኣርባዕተ ሚሊዩንን ልዕሊኡን ቅርሺ ብኣግባቡ ዝሃነፁ ምካኖም ናይ ሰናይ ስራሕ አፈፃፅማም ስም ኮንትራክተራት ዉዕሊ ከቅርቡ ዝክእሉ ወይ ናይ ግዝያዊ ርክክብ ወይድማ ናይ መጨረሻ ርክብ ምስ ናይ ክፍያ ሰነድ ፐይመንት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

3 ተወዳዳራይ ነቲ ፕሮጀከት ጀሚሩ ከቅፅል ምካኑ ንምርግጋፅ እንተነኣሰ ክልተ ሚሊዩን ቅርሺ ኣብ ባንኪ ሒሳብ ምህላዉ ዘረጋግፅ ሕጋዊ ናይ ባንኪ መረዳእታ ናይ ባንኪ ስተትመነት ወይ ናይ ልቃሕ መረጋገፂ እንተሃልዎ ነቲ ዝተገለፀ ገንዘብ ልቃሕ ዝረከብ ምካኑ ካብቲ ዝልቀሖ ባንኪ ዝተዉሓሶ መረጋገፂ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክልእ

4 ተወዳደርቲ መከበሪ ፕሮፎርማ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብር 150000 / ሐደ ሚኢትን ሓምሳን ሽሕ/ ከቅርብ አለዎ

5 ተወዳደርቲ ነቶም ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ሓይሊ ሰብ ከማልኡ ዝክእሉ ምካኖም ብናይ ሕጋዉነት ዘለዎ ዉዕሊ ቁፃር ሞያ ብቅዓትን ፕሮፊሽናል ላይሰንስ ከቅርቡ ዝክእሉ ቀዳማይ ፕሮጀክት ማናጀር ፕሮጀከት ሓላፊ በዝሒ ሐደ ካልኣይ ሳይት ኢንጂነር ሳይት ማሃንዲስ በዝሒ ሐደ ሳለሳይ ፎርማል በዝሒ ሐደ

6 ተወዳዳራይ ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ማሽነሪታት ናይ ባዕሉ እንተኮይነን መረጋገፂ ሌብሬ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ እንድሕር ተካሪዩ ዘምፀአን ኮይኑ ድማ ሕጋዊ ዉዕሊ ብሌብሬ ዝተደገፈ ከቅርብ ዝክእል ክከዉን አለዎ ቀዳማይ ገልባጥ መኪና በዝሒ ሐደ ካልኣይ ፒካኣፕ በዝሒ ሐደ ሳልሳይ ሚክሰር በዝሒ ሐደ ራብዓይ ቫይቪረተር በዝሒ ሐደ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ

7 ሰዓራይ ዝከዉን ተወዳዳራይ ንኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒታት እቲ ዝተሐተተ መዓቀኒ ኣማሊኡ ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ሰዓራይ ይከዉን

8 ሰዓራይ ተኮናተራይ ምስዓሩ ምስተረጋገፀ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕል ብምእሳር ብዝተዉሃቦ ዲዛይንን ስፐስፊኬሽንን ነቲ ዝተዉሃበ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 90 ተከታተልቲ መዓልቲታት ሰሪሑ ከረክብ አለዎ

9 ሰዓራይ ተወዳደሪ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ዉሕስና ዘተሓሕዝ ምካኑ ከፍልጥ አለዎ

10ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ ምሉእ ሰነድ ዋጋ ዝሐዘ ደኩምንትን ቅድም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱን ኩሎም ዝተሐተቱ መለክዒ ዝሐዙ መረደእታት ዋናን ክልተ ቅዳሕን ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታት ምስዓሸጉ ናይ ዋና ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ናእሽተይ ነብስወከፍ ፖስታት በማርክር ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ማህተም ኣብ ልዕል እቲ ፖስታ ክዓርፎ ብምግባር ዳግም ኮሎም አናእሸተይ ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊኦም ብምዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ናይ ኮንትራክተር ሽምን ኣድራሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ብዝር አ ማረከር ብምፅሓፍን ነቲ ዉድድር ተባሂሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ቁፅሪ 3  ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክኣትዉ አለዎ

11 ኣብ ነብሰወከፍ ሰነድ ጨረታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እንተይኣዛብዕ ክምቲ ክሽየጥ ዘሎ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

12 እዚ ዋጋ ፕሮፎርማ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

13 ሰነድ ፕሮፎርማ ጨረታ 27/6/2017 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 1/7/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 11:30 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

14 ሰነድ ፕሮፎርማ ዕለት 2/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914375211