ምልክታ ጨረታ
ትካልና ደጀና ኬሚካል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝጠቕሙ ላፕ ቶፕ፣ ዴስክ ቶፕ ኮምፒተር፣ ፕሪንተር ከምኡው' ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑ ኣብ ጨረታ ሰነድ ብዘሎ መዐቀንታት (Specifications) ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዚ ዘርፊ ልምድን ብቕዓት ዘለኩም መቕረብቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተጫረትን ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም::
ናይ ጨረታ መዐቀኒ
1. ተጫረቲ ተዛማዲ ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓዳሰ ሕጋዊ ናይ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ ቫት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእልን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለዪ ቁፅርን ኦርጅናልን ናይ'ቲ ዝተጠቐሰ ዶኩመንት ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ጨረታ ዝርዝር (ሰነድ) ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ትእምት ጉና ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 401 መምርሒ ሎጂስቲክስ ንሕድሕድ ዓይነት ጨረታ ብር 500.00(ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእሉ::
2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 24/06/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 08/07/2017 ዓ.ም ቅድሚ ሰዓት ልክዕ 4:00 ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታው ይግባእ::
3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ሲፒኦ ብር 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ ብር) ብዝተዓሸገ ፖስታ ምስ ናይ ቴክኒካል ጨረታ ዶክመንት ብምትሕሓዝ ከእትዉ ኣለዎም፡፡ ብፖስታ ዘይተዓሸገ ሲፒኦ ተቐባልነት የብሉን::
4. ፋይናንሻል ሰነድን ቴክኒካል ሰነድን ብዝተፈላለየ ፖስታ ዓሽጎም ከቕርቡ ይግባእ::
5. እዚ ጨረታ ዕለት 08/07/2017 ዓ.ም ቅድሚ ሰዓት ልክዕ 4:00 ሰዓት ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ቅድሚ ሰዓት ልክዕ 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትእምት ጉና ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 401 ኣብ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዝኸፈት እንትኾን እቲ መኽፈቲ መዓልቲ ብዓል እንተኾይኑ ኣብቲ ዝቕፅል መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝኸፈት እንትኾን ሰነዶም ዝተማልአ እንተኾይኑ ተጫረቲ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝኽፈት ይኸውን::
6. ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ዘእትውዎ ዋጋ ናይ ሕድሕድ ንብረት ነፀላ ዋጋ ምዃኑ
ክፈልጡ ይግባእ ብተወሳኪ ጠቅላላ ዋጋ ብቁፅርን ብፊደልን ክፃሐፍ ኣለዎ።
7. እቲ ተጫራታይ ቫት ተመዝጋቢ ክኸዉን ኣለዎ እቲ ዘእትውዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምኻኑ ብግልፂ ክጥቀስ ኣለዎ እንድሕር ዘይተጠቒሱ ዘቕረቦ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምኻኑ ተገይሩ ይውሰድ።
8. ኣብቲ ጨረታ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ ተጫራቲ ሰዓራይ ምዃኑ ብፅሑፍ ካብ ዝተገለፀሉን ውዕል ካብ ዝኣሰረሉን ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 (ዓሰርተ) ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት በቲ ቅድም ኢሉ:: ዘቕረቦን ብትካል ተቐባልነት ዝረኸበን ሳምፕል መሰረት ናብ ትካልና መኽዝን ኣታዊ ይገብር :: እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ብምግባር ኩባንያና ካልእ ኣማራፂ ይወስድ::
9. እቲ ተጫራቲ ዘቕርቦ ንብረት በቲ ቅድም ኢሉ ዘቕረቦ ሳምፕል መሰረት እንተዘኾይኑ
reject ኾይኑ ናብ ብዓል ንብረት ይምለስ ብተወሳኺ ድማ ዘትሓዞ CPO ናብ ትካል ኣታዊ ይኸዉን።
10. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ (Price validity date) ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ግዘ ጀሚሩ ን15 መዓልታት ዝፀንሕ ይኸውን።
11. ክፍሊት ብዝምልከት ተጫረቲ ንብረት ጠቕሊሎም ካብ ዘእተውሉ ዕለት ጀሚሩ ትካል ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክፍሊት ይፍፅም።
12. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካልእ ተጫራቲ ዋጋ ተመስሪቶም ዋጋ ከእትዉ ኣይፍቀድን ብተወሳኺ'ውን እቲ ዘእተውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎን ብእርሳስ እንተተፃሒፉን ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ::
13. ተጫረቲ እዚ ጨረታ ምስ ኣሸነፉ ንኻልእ ሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ምሃብ ኣይኽእሉን::
14. ኩባንያና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ::