ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘበን ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ክተቅርቡ እትክእሉ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘዉፀኦ መሰረት ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም ዝተሐደሰ መረዳእታ ብቅዳሕ መልክዕ ክተቅረቡ እትክእሉ

2 መከበሪ ዉሕስና ጨረታ 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ክተቅረቡ እትክእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሜሽን ሲቨል ስርቪስ ክልል ትግራይ ፍሉይ ቦታ ወይዘር ህንፃ 09 ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 24/6/2016 ዓም ክሳብ 8/7/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዕደግ ይከኣል

4 ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ቀወምቲን ሓለቅቲ ኣቅሑት 8/7/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ልዕል ኢሉኣብ ዝተገለፀ ኣድራሻ ቤት ይክፈት

5 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

6 ሰዓርቲ ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ነቲ ንብረት ኣታዊ ክገብሩ አለዎም

7 ኮምሽን ሲቪል ሰርቪስ ካብ ዝዕድጎም ንብረት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 እቲ ኮሚሽን ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344409426 / 0344402431