ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ስውሓ ሳዕሲዕ

ቑጽሪ ፋስ/08/2017

ዕለት 19/06/2017 ዓ/ም

ግልፂ ጨረታ ምልክታ

ወረዳ ስ/ሳዕሲዕ ቤት ፍርድን ከተማ ዕ/ሓሙስ ቤት ፍርድን ን2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፋላለዩ ናይ ቢሮ አቑሑታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ክትወዳዱሩ እትደልዩ ሕጋውያን ዝኾንኩም ነጋዶ

ክተማልእዎ ዝግባእ፥

1) በቲ ዝወዳደርሉ ዘርፊ ሕጋዊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ፤

2) ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኑ ዝተሓደሰ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝኽእል፤

3) ቲን ምዝገባ (ቲን ናምበር) ከቅርብ ዝኽእል፤

4) ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝኽእል፤

5) ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ኤሌክትሮኒክስ፣ሕትመት፣ናይ ፈርኒቸርን ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑትን ነንሕድሕዶም ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO ብር 5000.00(ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ከትሕዝ ዝክእል፣ ናይ ናይ ፅሬትን ካልኦት ናይ ቢሮ ኣቑሑት ነንሕድሕዶም ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO ብር 2000(ክልተ ሽሕ ብር) ከትሕዝ ዝክእል፤

6) ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20/06/2017 ዓ/ም ክሳብ 04/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ ብር 100.00/ሚኢቲ ብር/ ብምክፋል ነንሕድሕድ እቲ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ስ/ሳዕሲዕ ቤት ፍርዲ ምውሳድ ይካኣል፤

7) ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 05/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ኣብ ወረዳ ስ/ሳዕሲዕ ቤት ፍርዲ (ዕ/ሓሙስ) ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት ።

8) ጨረታ ምስ ተኸፈተ ቅሬታ ዘለዎ ተጫራቲ ወይ ወኪላት ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓለቲ ቅሬታኦም ብፅሑፍ ወይ ብኣካል ከቅርቡ ይኽእሉ እዮም ።

9) ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10) ቤት ዕዮና ወይ ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፣ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን _ ወ/ስ/ሳዕሲዕ _ ወ/ቤት ፍረዲ ብቑጽሪ ስልኪ 0922274367 0980450498/0983995576 ምሕታት ይካኣል ።