1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስቲ ዘፈር ዝገልፅ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብግልፂ ዝረአ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእልን
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብክምሉ ክተቅርቡን ብግልፂ ዝረአ ኮፒ ወይድማ ቅዳሕ ክቅርብ ዝክእልን
3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ብግልፂ ዝረአ ኮፒ ወይድማ ቅዳሕ ክቅርብ ዝክእልን
4 ናይተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ብግልፂ ዝረአ ኮፒ ወይድማ ቅዳሕ ክቅርብ ዝክእልን
5 ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
6 ተጫረቲ ነብሰ ወከፍ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ትራንስፖርትን መራክብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ሓባራዊ ህንፃ ማለት እዉን ኮምፕሌክስ ህንፃ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 21/6/2017 ዓም ክሳብ 8/7/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳጡን ጨረታ ፖስታኩም ከትእተዉ ትክእሉ ምኮንኩም ክንገልፅ ንፈቱ
9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና ንናይ ሕትመት 50000 ቅርሺ : ንመኪና ኣቅሑት መለዋወጢ 50000 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታተ ዘተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ተኮይኑ ናብ ኣካዉንት ቁፅሪ 1000538971697 አታዊ ምግባር ትክእሉ
10 ተጫረቲ ልክዕ 8/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ትራንስፖርትን መራክብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኮምፕሌክስ ህንፃ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ይክፈት ተጫረቲ ወይድማ ወከልቶም በዘይምርካቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተዓናቀፍን
11 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ምስተገለፀሉ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ
13 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት 10 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይድማ ብጥረ ገንዘብ እንተዘይኮይኑ ድማ ናብ ኣካዉንት ቁፅሪ 1000538971697 አታዊ ብምግባረ ከትሕዙ ዝክእሉን ብተወሳኪ ንኣፈፃፅም ዉሕስና ዘትሕዝ
14 ብቤት ዕዩ ዝተዉሃቦ መዓቀኒ ስፐስፊኬሽን ብፅሬትን ብመጠንን ንግዜን ዉዕሊ ካሰብ ዝእሰረሉ ኣብ ወሽጢ 40 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ በሮና ከረክብ አለዎ
15 መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ሀይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ
16 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914222506 0914759607