1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስቲ ዘፈር ዝገልፅ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብግልፂ ዝረአ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእልን
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቍፀሪ ዝተመዝገብክምሉ ክተቅርቡን ብግልፂ ዝረአ ኮፒ ወይድማ ቅዳሕ ክቅርብ ዝክእልን
3 ናይዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባየነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
4 ናይተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ብግልፂ ዝረአ ኮፒ ወይድማ ቅዳሕ ክቅርብ ዝክእልን
5 ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
6 ካብ ዝምልክቶም ኣካላት ነቲ ሞያ ፍቃድ ምህላዎም መረዳእታ ክቅርብ ዝክእል
7 መቅረቢ ትካል ብሲስተም ዝገብር ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ መላተ እዉን ካብ ዝምልክቶ ትካል ፈቃድ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ
8 ተጫረቲ ነብሰ ወከፍ ጨረታ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ትራንስፖርትን መራክብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ሓባራዊ ህንፃ ማለት እዉን ኮምፕሌክስ ህንፃ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 20/6/2017 ዓም ክሳብ 5/7/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 400 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳጡን ጨረታ ፖስታኩም ከትእተዉ ትክእሉ ምኮንኩም ክንገልፅ ንፈቱ
9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና 100000 / ሚኢቲ ሽሕ/ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታተ ዘተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ተኮይኑ ናብ ኣካዉንት ቁፅሪ 1000538971697 አታዊ ምግባር ትክእሉ
10 ተጫረቲ ልክዕ 5/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ትራንስፖርትን መራክብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኮምፕሌክስ ህንፃ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ይክፈት
11 እቲ መወዳደሪ ነጥቢ 80 ሚእታዊ ቴክኒካል 20 ሚእታዊ ፋይናንሻል ድምር 100 ስለዝኮን ቴክንካልን ፋይናንሻልን ሰነድ ዋና ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ብፖስታ ክቀርቡ አለዎም
12 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ምስተገለፀሉ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊክኣስር ዝክእል
13 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ናይ ኣገልግሎት ሐደ ሚሊዩን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይድማ ብጥረ ገነዘብ እንተኮይኑ ናብ ኣካዉንት ቁፅሪ 1000538971697 አታዊ ብምግባረ ከትሕዙ ዝክእሉን ብተወሳኪ ንኣፈፃፅም ዉሕስና ዘትሕዝ በቢ ዓመቱ ናብ ቅድሚ ዉሕስና ዉሕስና ከሕደስ ዝክእል
14 ዝሰዓረ መቅረቢ ዉዕሊ መከበሪ አሲሩ ንክልተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን አገልግልት ክህብ ዝእክል
15 አፈፃፃም ኢቲኬቲንግ ዝከፈልዎ ክፍሊት ናብ ኣካዉንት ቢሮ ትራንስፖርትን መራከብን ዘወፆ ተራፊ ገንዘብ ኮይኑ ብጥረ ገንዘብ ብኦንላይን ክፍሊት ብሞባል ባንኪንግ ብስማርት ካርድ ዌብሳይት ወይ ብካልኦት አማራፂታት ኮይኑ ተጎዝቲ ዝዓቁርሉን ባንኪ ንተገልገልቲ ዘመችዉ ኣብ ቀረቦም ዘሎ ኩሎም ባንኪታት ብዝደለየዎ በቢዝምችዎ ይከዉን
16 ዉዕሊ ተቀባሊ ኣብ ሕድሕድ መናሃሪያ ኢቲኬቲንግ ከሰርሕ ዝክእልን ዘድልዩ ናዉቲታት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ዓዲጉ ኣብ ዝሐፀረ እዋን ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ አጎዓዓዙ ስራሕ ክጅምር ዝክእል
17 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914222506 0914759607