ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ራያ ኣላማጣ

1ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዚሉ እዉን ንግዲ ፍቃድ ማይ : ምስክር ወረቀት ከፋሊ ግብሪ ቲን ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫትን ዝተሐደሰ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ቫት ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእል

2 ተጫረቲ ካብ ከተማ ኣለማጣ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ልምዓትን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ዝተደላወ ሰነድ ጨረታ ካብ 17/6/2017 ዓም ብር 150 ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ

3 ተጫረቲ ዝመለእዎ ዋጋ ሐደ ኦርጅናል ክልተ ፎቶ ኮፒ ዝሐዙ ሰነዳት ኣብ ክልተ ፖስታ ዓሺጎም እዞም ዝተዓሸጉ ክልተ ፖስታ መሊሶም ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብሐደ ብምሽዓግ ሽም ዝጫረትሉ ዘለዉ ፕሮጀክት ኣብቲ ዓብይ ፖስታ ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ብፋይናንስን እቶትን ምምሕዳር ልምዓትን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ከተማ ኣለማጣ ኣብ ዝተዳለወ ክሳብ 26/6/2017 ዓም ረፋድ ሰዓት 4:00 ብኣካል ወይድማ ብሕጋዊ ወኪላቶም ከእትዉ ይክእሉ

4 ተጫረቲ እዚ ሰነድ ጨረታ ብትኩረት ተረዲኦም ዋጋ ምስ መልእ ኣብ ነብስወከፈ ገፅ እቲ ሰነድ ዋላ ሐደ ከየጎደሉ ፊርሞምን ማህተሞምን ከቅረቡ ይግባእ

5 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ 26/6/2017 ዓም ረፋድ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ረፋድ ሰዓት 4:30 ብወረዳ ራያ ኣለማጣ ፋይናንስ እቶትን ልምዓት ምምሕዳርን ከይዲ ስራሕ ዕድጊት ይክፈት

6 ተጫረቲ መክብሪ ጨረታ ብር 50000 ብሄራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይድማ ፋይናሳዊ ትካለት ዝዉሃብ ብኩነታት ዘይተገደበ ዉሕስና ብትረጋገፀ ቼክ ወይድማ ስፒኦ ከቅርቡ ይክእሉ

7 ሰዓራይ ጨረታ ጨረታ ካብ ዝተዓወተሉ ንድሓር አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲታት እቲ ተዓዋታይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ መክበሪ ዉዕሊ ስፒኦ ክልእከ ወይድማ ብኩነታት ዘይተገደበ ዉሕስና ባንኪ ካብ ዝተዓወተሉ ጠቅላለ ዋጋ  ገንዘብ 10 ሚእታዊ መክብሪ ዉዕሊ ብምትሓዝ ዉዕሊ ምስኣሰረ ብተዉሃቦ ዲዛይንን ስፐስፊኬሽንን ሰሪሑ ከረክብ ይግባእ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ቅደመ ክፍሊት ከምዘይከፈል ክፍለጥ ይግባእ

9 ተዓዋታይ እዚ ጨረታ ተዓዋታይ ዝከዉን ካብ ጠቅላላ ቴክኒካዊ መመዘኒ ረቆሒ አማሊኦም ዝሐለፉ እቲ ዝተሐተተ ዋጋ ዝእተወ ይከዉን

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንትረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ