ምልክታ ዉሱን ጨረታ ዓብዪ ጋራጅ
ኮለጅ ትምህርቲ መምህራን ዓብዪ ዓዲ ኮድ 4-00890 ትግ ዝኾነት ሞዴል F94HB እስካንያ Marcopolo ኣዉቶብስ ናብ ናይ ዓበይቲ መካይን ጋራጅ ኣእትዩ ሙሉእ ፅገና ከፀግን ይደሊ። ሰለዚ ኣብዚ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ናይ ዘመኑ ግብሪ ከፊልኩም ንግዲ ፍቓድኩም ዘሕደስኩም ወነንቲ ዓበይቲ ጋራጅ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም ስለዚ ኣብዚ ዉሱን ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ ክተማልኡ ይግባእ:-
1. በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ቲን ናምበርን ዘለዎ፣
2. ናይ መቕረባይነት መረዳእታ ዘቕርብ፣
3. ናይ ቫት ተመዝገቢ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ፣
4. በቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ወርሓዊ ዲክለረሽን ምግባሩ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል፣
5. እቲ ጋራጅ ብመሳርሕን ሰብ ሞያ ሓይሊ ሰብን ዝተማለአ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ፣
6. ምስ ሰዓረ ሕጋዊ ዉዕሊ ዝኣስርን 10% ናይ ዝሰዓሮ ዉዕሊ መኽበሪ ከትሕዝ ዝኽእል፣
7. ጨረታ መኽበሪ/BID BOND/ ቦንድ 3000 CPO ብሽም ኮለጅ ትምህርቲ መምህራን ዓብዪ ዓዲ ከትሕዝ ዝኸእሉ፣
8. ዝምላእ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ካብ ስርዝ ድልዝ ነፃን ዘየሻምን ኮይኑ ተመሊኡ ማሕተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ይግባእ፣
9. እዚ ጨረታ ሰነድ እዚ ብዘይ ምንም ክፍሊት ካብ ዕለት 17/06/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 27/06/2017 ዓ/ም ናብ ሞባል ቑፅሪ 0926783783 ብምድዋል ምዉሳድ ይክኣል።ሳንዱቕ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/06/2017 4፡30 ዝኸፈተሉ ዕለት 27/6/2017 ልክዕ ሰዓት 5፡00 ቦታ፣ ኮለጅ ትምህርቲ መምህራን ዓብዪ ዓዲ
10. ብዉሱን ጨረታ ዝተዓደሙ ተጫረቲ ኩሎም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዘ ከይኣኸለ መጫረቲ ሰነዶም እንተቕሪቦምን ፍቓደኛታት እንተኾይኖም ዝተቀመጠ ገደብ ግዜ ምሕላው ከየድለየ ቤት ዕዮ ጨረታ ዝኸፍተሉ ዕለት ብምዉሳን ንኩሎም ተጫረቲ ንክርከቡ ብምዕዳምን ጨረታ ክኸፍት ይኽእል እዩ።
11. ኮለጅና እዚ ጨረታ ሙሉአ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።